“ከም ዋጣ እናኸድኩ ኣብ ዳሰ-ዳስ
ዕዮይ ዘይምዃኑ ንሰባት ምውዳስ፡
ንዘይክእሎ እሞ ንዘይውዕሎ
ዝብህግ ከይህሉ ‘መን ከማኻ’ ክብሎ
ኣይጸበየኒ ብዘይክእሎ
ኣብ ባይታ እንከሎ ሰማይ ንኽሰቕሎ።”
ይብል ኣሎ፣
“ሓሶት ተተርኢሰ
ኣይሓድርን ወዲሰ
ብዋጋ እታ ሓቂ
ከርሰይ ኣተርኪሰ
ወዝ ደገይ ኣድሚቐ
ወዝ ውሽጠይ ኣህሲሰ”
ይብል ኣሎ፣
“ካብ ሰብ ከይደለየ
ንምንጪ ሓጐሱ
ሃሰስ ይበል ፈውሱ
ኹሉ በብርእሱ
ይድለያ ንነብሱ፡
ናይ መን ጥልዕ ጉምብስ
ንእገለ ከፍቱ፡ ንእገሊት ከሕጕስ!”
ይብል ኣሎ እቲ ገጣሚ
ኰታሚ ዛዛሚ
ዓሻ ኽንሱ ኣለባሚ፡
“ስምዒት ሰብ ክሕሉ
ስምዒተይ ካብ ዝቐትል
ምሕምሻሽ ይሓይሽ
ወይ ብርዕኻ ምስቃል!”
ይብል ኣሎ
ክብል ስለ ዘለዎ….
“ምኸርዎ” ምበልና’ሞ “መዓድዎ
ወላ ይንፈሓዮ፡ የሕብጦ
ናይ ልቡ ኣብ ልቡ የቐምጦ”
ስለ ዘይሰምዕ ግን ግደፍዎ
ንዓሻዶ ዕሽነቱ ይኸብዶ!
Discussion about this post