በጺሑካ’ምበኣር እቲ ጫውጫውታ
እዝንኻ ዝቐድድ ባዶ ዓውታ!
ኣሻቒሉካ ድማ ዳርባ ኣእማን
ኣብ ቅርዓት ስደት፡ ምትፍናን ኣሕዋት
መስሓቕ ሸራፋት።
“ከምኡ ዘይጽበያ
እታ እከሊት እንታይ ወሪድዋ፡
ለጠቕ ኢላትንስ ሒዅ ኢለ ኽሰቕላ
ናብ ቀደማ ኽመልሳ፡ ደጊፈ ብባላ፡
“ጉዳይ እገለ’ኳ ደሓን ክሓልፎ
ኣይነበሮ ኣይጠፍኦ
ደለ ይኹን ናቱስ እጽበዮ፡
” ጓል-ሸሪጥ ድማ ኣመና ኣግዲዳቶ
ብስናዕ ዛንታ ኣእዛንና ኣጽሚማቶ፡
ኣይምተጸልአን’ኮ ፍታሕ እንተ ትእምም
ጨው ንቝስሊ ግን መሊሱ’ዩ ዘሕምም፡
“ምዃና ኣደ-ጓይላ
ከመይ ድያ ኣጽሊኣትኒ ዘላ
እንታይ ኣምጽኦኸ
‘ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይብቈላ’!
” ንወዲ-ዛኖ ኸኣ ኣይቀደዎን እዋን
ድብልቕልቕ ግዲ ኢልዎስ ኰይኑ ዓዋን፡
ቅድሚ ሽምግልናኡ፡ ቅድሚ ምብላዩ
ኣይንርኣዮ፡ ክልተ-ሳዕ ተራእዩ!
“እቲ ርሑቕ ዓዲ
መሐሰዊ ድዩ ዀይኑ መዐሸዊ
ወይሲ መበስነዊ፡ መበላሸዊ፧
ንኽፈልዮ ድንግርግር ኢሉኒ
ስብእና ዝፈልጦም ኣሕዲጕኒ፡”
ቢልካ ዝጸሓፍካለይ ነቢበዮ
ከውገዓካዶ እንታይ ከም ዝፈጠሮ
እመኖ ኣይትእመኖ ንቓለይ ስምዓዮ።
ኣብዚ ዘለኽዎ ዅሉ’ዩ ዘሎ
ናፍቖት ኣሎ፡ ምስልካይ ኣብ ህይወት
እቲ እምነ-መሰረት፡ ንምፍራስ፡ ንዕንወት
እተትክኾ ይኹን እትሰትዮ
ሕጋዊ ሓሽሽ ከም ድላይካ’ዩ ዘሎ፡
ኣብ ናጽነት ዘላ ሓላፍነት
ኣላ ኽሳዕ ሎሚ፡ ዋና ኸይረኸበት፡
ሃሩር ኣሎ ምስ ዘይንቡር ቍሪ
ነዊሕ ለይቲ ኣሎ፡ ሓጺር ቀትሪ
ኵሉ’ቲ ኣንጻራዊ ተጻራሪ።
ባህላዊ ነውጺ ዝወለዶ
ማሕበራዊ ቅልውላው ዘጋደዶ፡
ሕብስቲ ጽምዋ ኣሎ፡ ምስ ሃንዛ ተነጽሎ
ጭንቀት ዘመሓድሮ፡ ዓቕሊ ጽበት ኣሎ
ብኽነት ጕልበት ኣሎ፡ ብኽነት ኣእምሮ፡
ኣይኰነንዶ ቐደም ንእትፈልጦ
ትማሊ ንእተፋነኻዮ’ኳ ይልውጦ።
ኣይተወሰኾ ኣይጐደሎ
እቲ ናብራ ኸምዚ’ዩ ዘሎ!
ይኣኽለኒ ድባብ፡ ዘረባ ኸየቃጥን
ክኸውን ይሓይሽ ኵሉ ብዓቐን
ካብ ኣልዓልካዮ ኢለ’የ ዘኪረዮ
እምበር ነዊሕ ጌረ ኻብ ዝፍለዮ
ምምእማእ ኣብዩንስ ራሕሪሐዮ።
ከመይ ኣሎኸ እቲ ገመል ኣጻምእ
ከብዱ ብጥምዩ ኣኻውሕ ዝበስዕ
ድምጹ’ኳ ዘይስማዕ
ኣብ ስቕታ ኣዝጊቡ ዕዮኡ ዘይርስዕ።
16 ነሓሰ 2023
Discussion about this post