“ዓርከይ፡ መሓዛይ
ትኽ ትንፋሰይ
ውቅያኖስ መንፈሰይ፡
መባልዕተይ
መሳትይተይ
መሳሕቕተይ
መናብዕተይ…”
ኣብ ቅድመይ
ምስ ደጋገሞ
ከም እኽለማይ፡
“ኣብቲ ትኣርይ
ኣብዚ ትጸጽይ
ኣብቲ ትጥሕን
ኣብዚ ትነፍይ
ኣብቲ ትለውስ
ኣብዚ ትላፍይ
ኣብቲ ትስንክት
ኣብዚ ትፍትፍት
ኣብቲ ትዅልስ
ኣብዚ ትውሕጥ
ዘይምዃንካስ
ብኸመይ እፈልጥ፧”
ሓቲተዮ
ዘይተጸበዮ ሕቶ
ስግድ ግዲ ኢልዎ፡
ከእምነኒ…
ከምኡ ዘይምዃኑ
ገንጺሉለይ
ማሕላ ፍቓድ ንግዱ፡
ኣብ ኢደይ ጠቒዑ
ምሒሉለይ ብወላዲቱ
ደጊሙለይ ብወላዲኡ
ሰሊሱለይ ብፈጣሪኡ።
ነቲ መናቐጺ
ኣስሚዐዮ
እተቐድሐ ድምጺ
ኣርእየዮ
እተቐርጸ ምስሊ
ሓቲተዮ
“መን ይኸውን እዚ፧”
‘ደሓን’የ’ እናበለ
ስለ ዚተነግሮ
ደሓን ከም ዘየለ
ኣይመለሰን ሰንቢዱ
ናብ ዘይምለሰሉ
ብድድ ኢሉ ከይዱ፡
እቲ ሽሉ
ብ ‘ዓርከይ’ ዚነግድ
ናይ ዓርኪ ዘይብሉ።
Discussion about this post