ወይዘሮ ኢለን ጸጕረን ብፍትሑ
ከይረኣየን፡ ጕልብብ ኣቢለንኦ
ወይዘሮ ሚለን ጸጕረን ብስርሑ
ክረኣየለን፡ ክፍት ኣቢለንኦ፡
ተመራሪሐን፡ ኣምሪሐን
መጀመርታ እንዳ መርዓ
ድሕሪኡ፡ እንዳ ሓዘን በጺሐን።
ተመዚነን በቲ ሰብ መዛኒ
ንውሽጢ ዘይርእይ
ምዓሉ ላዕሊ ላዕሊ፡
ወይዘሮ ሚለን
ብቝኖአን ተናኢደን
ወይዘሮ ኢለን
ብዘይምቝናነን ተዋሪደን፡
በቲ ሰብ መዛኒ
ልቢ ኽልቲአን ግን ኣይተበጽሐን።
Discussion about this post