ባሕሪ ወደል፡ ስምዒቱ ኣብ ከርሱ
ትዕግስቲ መንጸፉ ዓቕሊ መተርኣሱ
ንእግረ መገዱ
ንፋስ ምስ ኣበራበሮ ካብ ድቃሱ፡
ማዕበል ኰይኑ ጥንሱ
ማዕበል ኰይኑ ሕርሱ።
ማዕበል ወዲ ንፋስ
ማዕበል ውላድ ባሕሪ
ማዕበል ብዓል ሓይሊ
ማዕበል መመሰሊ
ጐባጢ ዘላሊ፡
ማዕበል ተጋሳሲ፡ ነናብ ዘይወጠኖ
ማዕበል ዘይሓሳቢ፡ ንፋስ ዘማእዝኖ
ማዕበል ተዳፋኢ
ማዕበል ነድሪ ባሕሪ
ማዕበል ጐስዒ
ማዕበል ሰሓቕ ባሕሪ፡
ማዕበል’ወ ማዕበል እቲ ዓፋሪ
ማዕበል ድዉይ፡ ኵርሙይ ብዘይ እግሪ
ብዘይንፋስ’ሞ እንታይ ኣለዎ ዕምሪ!
19-08-2016
Discussion about this post