እጽምወኒ ኣሎ፡ ለይቲ ይኹን ቀትሪ
ገጽካ እናረኣኹስ፡ ናፍቖትካ ኣሎኒ
ሰብ እደሊ ኣለኹ፡ ሰብ ወዲ ፍቕሪ
ሓደ ዝጨናኡ፡ ሰብ’ወ ኸም እኽሊ፡
ዘይተለዋዋጢ፡ ጣዕሙ ዘይቀያሪ
ኩሉ ግዜ እኽሊ፡ እኽሊ’ምበር ዘይሳዕሪ።
ሰብ እደሊ ኣለኹ…
ክዳን ዘይተኸድነ፡ ስቱር ብልቦና
ብዕርቃኑ ዘቃልዕ፡ ዕርቃን ድንቍርና፡
ዘይኣምን፡ ዘየምልኽ፡ ንሓላፊ ንብረት
ሓቂ ዝመኣዱ፡ ልዕሊ ድራር እለት፡
ዘይጉተት፡ ዘይጉሰስ፡ ብውሕጅ ዘይግፋዕ
ዘይክማህ፡ ዘይድፋእ፡ ብማዕበል ዘይጽፋዕ
ዘይጉምባሕ፡ ዘይደንን፡ ትኽ ኢሉ ዝቐንዕ
ዝነፈሰ ይንፈስ፡ ሰብ ኰይኑ ዝጸንዕ!
ሰብ እደሊ ኣለኹ… ከማይ ደላዪ ሰብ
ርጉእን ምሉእን፡ ኣልቦ ሸለብ ገለብ፡
ሕልሚ ዘይነጸፎ፡ ውሽጡ ዘይጠፈሸ
ዘይተዘራረገ ባህጉ ዘይመሽመሸ
ከም ጸሓይ ዝቐውም፡ ወትሩ እናኽመስመሰ።
ሕላገት ዝውንን፡ “ሰብ” ዘብል ዘሎዎ
ጥቕሚ ዘይግዝቶ፡ ናይ ስጋ ዘይጸልዎ፡
ንወቕቲ ዘይመስል፡ ከም ሕብረ ነፋሒቶ
ንምስሉ ዚነብር፡ ቃሉ ዘይልውጦ፡
ሰብ እደሊ ኣለኹ፡ ኣብ ሰብ ዘየምልኽ
ዛንታ ሰብነቱ ፈጺሙ ዘይብተኽ።
ሰብ እደሊ ኣለኹ…
ሕሉፉን ህሉዉን ዘይተረሓሓቑ
ኣሰሩ ምስ እግሩ ዘይነዓዓቑ
ሓድሕድ ጽዋታቱ ዘይከዓዓቡ
ከም ምዕራፋት መጽሓፍ
ወትሩ ዝናበቡ፡
ከም ርዝን ዝበለ
ካብ ክንቲት ዝፍለ
ሰብ እደሊ ኣለኹ፡ ሰብ መተዓልልቲ
“ሰብ’የ” ምስ እትብል፡ ሰብ ኴንካ ምጽኣኒ።
Discussion about this post