“ዓደቦ፣ ነጋሪት ኣብ ዘይሰዓቱ ደሲቐ ዝኣከብኩኹም ኣነ’የ። እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም። ኣብ ከውታ ለይቲ እንታይ ተረኽበ ኢልኩም ከም ዝሰንበድኩም እርደኣኒ። ኣነ ምዃነይ ምስ ፈለጥኩም ብምምጻእኩም ዝተጠዓስኩም’ውን ኣይትሰኣኑን። ከጣዕሰኩም የብሉን። ብኣንጻሩ ኣብዛ ዘይትድገም ኣጋጣሚ ምርካብኩም ከደስተኩም ኣለዎ። ኣኼባና ካልእ ዘይኰነ መፋነዊ’ዩ። መገሻይ ንርሑቕ’ዩ እሞ መሪቕኩም ከተፋንዉኒ። ዝበደልኩኹም እንተለኹም፣ በዚ ኣጋጣሚ ይቕረ በሉለይ።” ከውታ ለይቲ እናወደቐን እናተሰአን ናብ ቅርዓት ዓዲ ንዝወሓዘ ህዝቢ መእተዊ ገበረሉ።
“ደሓንዶ ኣይኰናን ኢና፧” ዝብል ናይ ሕሹዅሹዅ ሕቶ ካብቲ እኩብ ህዝቢ ተሰምዐ። ቅልጥፍ ኢሉ ዝምልስ ኣይተረኽበን። ሕሹኽሹኽ ቀጸለ። ኩሉ መምስ የማነ ጸጋሙ ይተሓታተት ነበረ። ከም ባህሊ ናይቲ ዓዲ፣ ነጋሪት ኣብ ዘይንቡር ወይ ናይ ሓደጋ እዋናት ጥራይ’ዩ ዝውቃዕ። ነጋሪት እንተ ተሃሪሙ ዝተርፍ የለን። ዝሓዘ ሒዙ ኩሉ ናብ ቅርዓት ዓዲ’ዩ ዝእከብ። ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ከኣ ይፈልጥን ይመያየጥን። ብዘይ ገለ ምኽንያትን ዋዛን ግን፣ ነጋሪት ኣይትንከፍን’ዩ። ከም ነውሪ’ዩ ዝውሰድ። ስለ ዝዀነ ክህረም እንከሎ ዝፈጥሮ ስምባደ ብቐሊሉ ምግማቱ ኣየጸግምን። ኣብዚ ኣጋጣሚ’ውን፣ ካብቲ ናይ ካልእ እዋን ዝፍለ ኣይነበረን። እንታይ ከም ዘጋጠመ ክፈልጥ፣ ብሸበድበድ ዝተኣከበ ህዝቢ ተሃንጥዩ የሕተዅቱኽ ነበረ።
“ንሰማማዕ ዓድና፣ ንሰማማዕ። ደሓንስ ደሓን ኢና። ድሕሪ ዝተወሰነ ደቓይቕ መገሻ ኣለኒ። ዘይምለሰሉ መገሻ! ዓለም መንየያ እፋነዋ ኣለኹ። ብሰንክኹም መንየያ። ምሉቕ ኢለ ካብ ዝኸይድ ክፋነወኩም መሪጸ። ምሉቕ ኢሎም ዝጠፉኡና ኣይወሓዱን። ተንጠልጢሉ ዘሎ ገመድ፣ ጸላም እንተ ዘይጋሪዱኩም ትርእይዎ ኣለኹም። መገዲ ናይቲ ዝኸዶ መገሻ ምዃኑ’ዩ። ብገዛእ ፍቓደይ ኣብ ክሳደይ ክእትዎ ዝተዳለወ ገመድ፣ ኣብዚ ገረብ ሰቒለዮ ኣለኹ። ተገዲደ ዘይኰንኩ ብምርጫይ’የ። እንታይ ኴንካ ኣይትበሉኒ። ዘሕንቕ ረኺበ።” ናብ ኵናት ከም ዝወፍር ወተሃደር ብትብዓት ተዛረበ።
“ነዚ ኢልካ ትዕጠቕ፧ ቱፍ በሎ! እቲ ኣፍካ ኸ ክንደይ ይኸፍእ! ዘረባ ረኺበ ኢልካ ዲኻ፧” ፍኑው ድምጺ ብሓባር ተቓወሞ።
“ሓሲበሉን ወሲነን’የ። ንድሕሪት ዘምልስ የብለይን። ካብዚ ወጻኢ ዝዕጠቐሉ ውራይ የለን።” ካብ ውጥኑ ከም ዘይተርፍ ደጊሙ ኣረጋገጸ።
“ኢልካ! ካብ በልካስ ኣብኣ ትረኽባ! ንዘልኣለም ተንጠልጢልካ ትነብር! ኪድ ሽፋ ይግበረልካ’ሞ ሲኦል ከኣ ጋህ ኢላ ትጽበየካ ኣላ!” መርገምን ምርቓን ዘጣመረ ሓፊስ ድምጺ ካብ ማእከል ኣጠንቀቖ።
“ብሕኑቕካ ከይትነብር እናበልኩም ኣይተፈራርሑኒ። ሰብ ብማሕነቕቲ ክመውት የብሉን ዝብል ኣጕል ሕጊ፣ ብትብዓተይ ንኽጥሕሶ ድሉው ኣለኹ።” ዘረባኦም ከይዓጀቦ ናይ ኣስታሕቃር እናሰሓቐ መለሰ። ከም ዕትብ ኢሉ ድማ፣ “ዓድና ሎሚ ኢና ንፋለም። ሕጂ ኢና ንከራፈስ! ብሕኑቐይ ይንበር ብፍቱሐይ ጅግንነተይ ከርእየኩም’የ። መዋእልካ ኣብ ሲኦል ኢኻ ክትልሎ ዲኹም ዝበልኩም፧ ፍርዲ ድኣ ናትኩም’ንድያ። ኣብ ፍርድስ ዝቕድመኩም የለን። ኣራፊድኩም ተማስዩላ፣ ውዒልኩም ትሓድሩላ። ቅኑዕ እሞ ኣበይ ትፈርዱ! ፍትሒ ከም ዘይትብጽሓኩም እፈልጥ’የ። ምሒር ትህወኹ ኴንኩም። ኣበይ ተመዛዝኑን ተገናዝቡን፧ ናይ ገነትን ሲኦልን ደሓን ይጽንሓልና። ናይ ሓዊን ሸኻን ውን ይጽንሓልና። ኣብ ኢድና ዘይኰነ ኣብ ኢድ ፈጣሪ’ዩ ዘሎ። ብዛዕባ ዘየሎ ወይ ዘይረኣናዮ ወይ ኣብ ኢድና ብዛዕባ ዘየሎ ገዲፍና ናይ ዘሎ ንግበር። ሕቶ መልሱለይ ዓድና። ሕኑቕ ብሕኑቑ እንተ ዀይኑ ዝነብር፣ እቶም ኣብ ኵናት እናተዋግኡ ዝሞቱ ኸ እናተዋግኡ ድዮም ክነብሩ፧ እዚ ኵናት እንእውጀሉ ነጋሪት ምስ ተወቕዐ ናብ ኵናት ንምኻድ ብጸደፍደፍ ምምጻእኩም፣ እንታይ’ዩ መልእኽቱ፧ ብዓል ሴፍ ሴፉ፣ ብዓል ጉራደ ጉራደኡ፣ ብዓል ጐዞሞ ጐዞሙኡ፣ ብዓልቲ በርበረ በርበረኣ፣ ብዓል ፍላጻ ፍላጻኡ ኣልዒሉ ንምታይ ይለዓል፧ ኣይትቕተል ዝብል ሕጊ ፈጣሪ ከመይ ኣቢሉ ብሽፋን ኵናት ምኽኑይ ይኸውን፧” ክሳዱ ካብ ጸጋም ናብ የማን እናዞረ ጠመቶም።
“ኣይትተሃወኹ። ንምምላስን ዘይምምላስን ድማ ኣይትማትኡ። ናይ ሎሚ ንግበር፣ ናይ ዝመጽእ ኣብ መጻኢ ንርኣዮ። ፈሪሕኩም ከተፍርሑኒ ኣይትፈትኑ። ክሳዕ መኣስ ኣሎ ርእስኻ ኣድኒንካ ምንባር፧ ክሳዕ መኣስ ኣብ መቓብር ፍርሒ፧ ነቶም ብፍርሒ ዝጃጀዉ ሎሚ ትብዓት ክምህሮም’የ። ‘ተሓሪድካ ሞት ተነጺኻ ሞት’ ድያ ዝበለት ደርሆ። ብምሕናቕ ድዩ ብምሕቃቕ ኣማውታ ፍልልይ የብሉን። ኩሉ ሞት’ዩ መጸውዒኡ። ውዒሉ ሓዲሩ፣ ነዊሑ ሓጺሩ ካብኡ ዝተርፍ ድማ የለን። ነዛ ማንም ሰብ ኣሳቕዩ ድዩ ኣሰራጥዩ ዝምንጥለካ ሂወት ብሰናይ ፍቓድካ ምምናን ሓላል’ዩ። ብሕቡእ ዘይኰነ ከኣ ዓዲ ኣኪብካ ኣብ ቅርዓት ዓዲ’ዩ ጽቡቕ! ህድማ መፍትሒ ኣይኰነን። ልዕሊ እዚ ድማ ትብዓት የለን። ካብታ ዝተሓንቀት ፍትሒ ኣይበልጽን’የ።” ኣባጨወ።
“ተሰራዕ፣ ስርዓት ይጐድለካ ኣሎ ቀለተ፣ ሕጊ ሰማይን ምድርን ኣይተራኽስ!” ሕጂ’ውን ካልእ ጨሓም ሽማግለ ተቘጥዑሉ።
“ብኽብረትኩም ንቝጠዐኹም ብህድኣት ደብሱዎ። ‘ኣይትድፈሩና’ እዩ ዘድፍር። ምስ ደፈርኩምና ኢና ንደፍረኩም ዘለና። ግዜኡ ዝሓለወ ስቕታ፣ ክትጻወሩዎ ካብ እትኽእሉ ንላዕሊ ክመርር ይኽእል’ዩ። ነዛ ሓጻር ግዜ ከምቲ ዝተጻወርናኩም ተጻወሩና። ሕጊ ሰማይን ምድርንዶ ኢልኩም፧ ነዛ ጸባብ ዓድና ዘየካይድ ሕጊ ከመይ ኢሉ ሕጊ ሰማይን ምድርን ይኸውን፧ ርእሲ ኣጽቢብና ኣይበጻሕናዮን እምበር ሰማይ ብሕጊ ውህደት’ዩ ዝነብር። ተማላላኢ’ዩ ድማ። ዓዓቕሙ ኣበርኪቱ’ዩ ቅርጺ ምሉእነት ዝፈጥር። ብዓል ገዚፍ ኣበርክቶ ንብዓል ንእሽቶ ኣበርክቶ ኣይዕበየሉን። ብዓል ንእሽቶ ኣበርክቶ ውን ንብዓል ገዚፍ ኣበርክቶ ኣየምልኾን። ብመጠን ኣበርክቶ’ምበር ብዓቐን ኣይዕየርን’ዩ። ንሕና ግን ዓቕምና ኣኻኺብና ዝፈጠርናዮ ውህደት ኣበይ ኣሎ፧ ሩባ ዓድና ሰጊርና ምስ ጐደቦና ዘይተወሃሃድናስ ብዛዕባ ሕጊ ምድርን ሰማይን ደፊርና ክንምጕት፧ ይትረፍ ሕጊ ሰማይ ናይ ምድሪ ቤትና’ኳ ኣይከኣልናን። ኣየናይ ዓንቀጽ ገንጺልና ኸ ተመሓዲርና ንፈልጥ፧ ብሃሳሰ ለባም እንኸዶን እንምርሖን ዶ ኣይበዝሕን፧” ሕቶ ድሕሪ ሕቶ ኣስዓበ።
“ኣማስዩ ዘየተሓድር፣ ካብ ንግሆ ናብ ምሸት ዝቕየር፣ ብድላይና ዘይኰነ ብፍታው ሓደ ሰብ ዝጠዋወ፣ ንረብሓ ሓፋሽ ዘይኰነ ንረብሓ ግለ ሰብ ዘገልግል ኣካይዳ ከመይ ኢሉ ሕግና ይኸውን፧ እንተ ደለ የልማዓና እንተ ደለ የጥፍኣና ኢልና ክሳዕ መኣስ ካብ ጉዳይና ንነብስና ከነግልል፧ ጭቃ ዓዲ ዝበሎ ፈጣሪ ከም ዝበሎ እናበልና ክሳዕ መኣስ ከይሓየኽና ክንውሕጦ፧ ሽሕ ግዜ ስቕ ንበል፣ ተሰጊዱ ምውራድ ዝኣበየና ከም ዘለና ክፍለጥ ኣለዎ። ከምዚ ዝበለ ኣካይዳ፣ ኣይኰነን ሞት ግብሪ፣ ዘልኣለማዊ ሞት እውን ዘየመኒ ኣይኰነን። ሲኦል ካብዚ ዘለናዮ ከመይ ኢሉ ይኸፍእ፧” እንደገና ሓቲቱ መልሲ ተጸበየ።
ዝመለሰ ኣይነበረን። ኵሉ ምስ ውሽጡ ዝመያየጥ ዝነበረ ይመስል። ዓሚቝ ስቕታ።
ቀለተ ዘረባኡ ቀጸለ።
“መራሕቲ ሃይማኖት ዓድና ከም ድፍረት ኣይትውሰድዎ። ተናዒቕና፣ ክብርና ተደፊሩ ኣይትበሉ። ሕኑቕ ብምድሪ ሕኑቕ ብሰማይ ኢልኩም፣ ነዛ ነፍሲ ይምሓር ከም እተዳልዉኒ እፈልጥ’የ። ኣመልኩም’ዩ። ኣባይ ከኣ ኣይተጀመረን። ንወዲ በረቐ ብዘይፍትሓትን ብዘይ ነፍሲ ይምሓርን ዶ ኣብታ ጸባብ ጉድጓድ ከም ከልቢ ኣይሸኳዕኩሞን። ካብኡ ዶ በሊጸ፧ መፍትሕ መንግስተ ሰማያት ኣብ ኢድኩም ከም ዘሎ በጠጥ እናበልኩም ገበርትን ሓደግትን ኣይትዅኑ። ኣይተዳልዉ ኣይተማርጹ። መቕርብ ‘ኣንበሳ’ ነፍሱ ኣብ ዘጥፍኣሉ፣ ንዝረኣየት ዓይንን ንዝሰምዐት እዝንን ብምድፋን ቀዳሞት ተሓለቕቲን ተጣበቕትን ኴንኩም ከም ትጸንሑ ንመን ይኽወሎ፧ ናይ ኣፍለ እኮ ገና ካብ ዝኽርና ኣይሃሰሰን። ንስኻትኩም ዘዕረኹሞ ዕሩይ፣ ንስኻትኩም ዘፍረስኩሞ ፍሩስ ክኸውን ከም ቅቡል ተወሲዱ። ናይ መንፈስ ገዲፍኩም ናይ ስጋ ትሰርሑን ትመራስሑን። ጻዕዳ ልቢ ዘይብልኩም ካብ ጻዕዳ ነጸለ ትደልዩዎ። ሕኑቕ ኣይፍታሕን’ዩ እንዲኹም ትብሉ ግዲ፧ ጠን ኣብልዎ ኣይትፍትሑኒ። ንሕኑቕ ዘይፈታሕኩም ደኣ ነየናይ እሱር ክትፈትሑን ከተፍትሑን! እሱር ኣእምሮ ኣሲሩን ተኣሲሩን’ዩ ዝነብር። ድሕሪ እዚ ኣብ ገረብ-ባይቶ ቅርዓት ዓዲ ዘካይዶ ናይ ምሕናቕ ስርሒት ካብ ዝተሓነቕኩሉ ገረብ እውን ከይትፈትሑኒ። ካብዛ ገረብ ከይተውርዱኒ። ሬሳይ ኣብኡ ተንጠልጢሉ ቋንጣ ይኹን። ስጋይ ፈሪሱ ክሳዕ ዝውዳእ፣ ኣዕጽምተይ ድማ ክሳዕ ዝቑንቁኑ ከይትተንክፉኒ። ፍትሒ እናሓነቕኩምሲ ባዕሉ ንዝሕነቕ እንታይ ግበር ትብልዎ፧” ቀጢን ትእዛዝ ኣመሓላለፈ።
ኣብ ስቕታ ዝጸንሐ ህዝቢ ኣጉረምረመ። መራሕቲ ሃይማኖቱ ስለ ዝተዘንጠሉ ኣይተዋሕጠሉን። ባህሉን ስነ ምግባሩን እውን ማዕረኡ። ቀለተ ቀጸለ።
“ጠንቂ ምጕርምራምኩም እርደኣኒ’ዩ። ንቃለይ ግን ኣይክቕይሮን’የ። ክደግመልኩም። ንቡር ክትፍጽሙ እትገንዝዎ ሬሳ ወይ እትፍሕሩዎ መቓብር ክህሉ የብሉን። ከምዚ ዝገበረ ውጉዝ ይኹን ከም እትብልዎ፣ ንቃለይ ኣፍሪሱ ሬሳይ ዝተንከፈ ውጉዝን ርኹስን ይዅን። ቃለይ እዚ’ዩ። ‘ኣይትርእዮ ኣይትሰምዖ ኣብ ኢድና ዘሎ መን ከይከልኣና’ ከም እትብሉ ፍሉጥ’ዩ። ሕጂ እውን ፍትሒ እደሊ ኣለኹ። ቃለይ ይከበር። ባይቶ ዓዲ ፍትሒ ነጊሱዎ፣ ፍትሒ ፍትሒ ዝሽትት መንፈስ ሃገግ ምስ በሎ ግን ካብዚ ዝስቀሎ ዘለኹ ገረብ እንተ ኣውረድኩምኒ ጸገም የብሉን። ክንደየናይ ግን ከይከውን።” ተስፋ ብዝቘረጸ መንፈስ ኣፉ መሊኡ ተዛረበ።
“እንታይ ትርኢቱ’ዩ እዚ! ጭቃ ዓዲ ስቕ ኢልኩም ዲኹም ትርእዩ፧ ኣብ ቅርዓት ዓዲ እሞ ሰብ ኣኪብካ! ከመይ ዝበሉዎ ንዕቀት’ዩ፧ ክብሪ ሕጊን ፈጣሪን እናተደፍረ ክሳዕ መኣስ’ዩ ስቕታ! ዝግበር ዘይትገብሩ! ክንድዚ ዝኣክል ድፍረት፣ ክንድዚ ዝኣክል ውርደት መን’ዩ ክሽከሞ፧ ኩርንኩሪት ኣሲርኩም ዘይትገርፍዎ!” ዓቕሊ ዝጸንቀቐ ውልቀ ሰብ ኣብ ማእከል ኰይኑ ብዓውታ ጨደረ።
“ገለ ጋኒን ተሰቒሉዎ’ምበር ቀለተ እንታይ በሃሊ፧ ይትረፍ ዓዲ ምሉእ ኣኪቡ ከምዚ ክብል ምስ መን ይዛረብ፧ ዓይንኻ ይደፈን ዝብሎ ዘይብሉ፣ ኢድካ ኣብ ኣፉ ኣእቲኻሉ ዘይናኸስ፣ ደኒኑ ናብ ሓዳሩ’ዩ ነይሩ። ስቕተይና ሰብ ክዛረብ ’ንከሎ ግን ዘረባኡ ባይታ ኣይወድቕን’ዩ። ገለ ዝተኸወለና ነገር ከይህሉ ንፈትሽ ዓድና!” ህዱእን መስርዑ ዝሓለወን፣ ክእሰር የብሉን ዘስምዕ ድምጺ ካብ ማእከል ተሰምዐ።
“እዝጊ ኣዛረበካ፣ እንጀራ ዓለምን እዝግን ብላዕ። ጐዳኢኡ ይጐዳእ ቀለተ ምስ መን ይዛረብ፧ ገለ ድኣ ረኺቡዎ እምበር።” ደገፍን መራጐድን ዘረባ ሰዓበ።
“ብፍታዉ ክሕነቕ’የ ንዝበለ እንታይ ዘእስርን ዘግርፍን ኣለና፧ ብሓደ መዳይ ሓቁ’ዩ። ምልኪ’ኮ ፍትሒ ኣይኰነን። ፍትሒ ኣይንኽላእ። ሰብ ብነጻነት ድላዩ ከይገብር ዝዓግት ነገር ክህሉ የብሉን።” ናይ ድላዩ ይግበር ካልእ ድምጺ ተቓልሐ።
“ኣንታ ተጐኒፍኩም ዲኹም፧ ካብኡ ንስኻትኩም ትገዱ! እሞ ዓዲ እናጸረፈን እናዋረደን ስቕ ኢልና ንርአ፧ ኢድና ማይ ከም ዝመዓጐ ንምንታይ ንግበዝ፧ እንተደለየ ኣብቲ በረኻ ከይዱ ሸቐቕ ዘይብል፧ ነጻነት ካልኦት ዝጻረር ነገር ከመይ ኢሉ ፍቑድ ይኸውን፧ እሞ ኣብ ከብዲ ዓዲ ርኣዩ ስምዑ እናበልካ! ዓድና እንተ ተረዲኡናስ ንድፈር እኮ ኢና ዘለና! ዝግበር ዘይንገብር!” ሓድሽ ናይ ተቓውሞ ድምጺ መጸ።
ዝተኣከበ ህዝቢ ብሓሳብን ኣረኣእያን ተመቓቐለ። ነንሓድሕዱ ክናቘር ደለየ። ምግምማዕን ዘይምስምማዕን ብሰንኪ ቀለተ።
“ስምዑዓድና …ከምቲ ትገብርዎ ፍትሒ ክቐብር ኣይደልን። ሕጂ ነንሓድሕድኩም እትካትዑሉ ግዜ ኣይኰነን። ብዛዕባ ውሽጥኹም መዓልቲ ቀዪርኩም ተፈታተሹ። ውሽጥኹም ከተጽርዩ ሓደ መዓልቲ ዘይኰነ ሓደ ዘመን ከድልየኩም’ዩ። ነዛ ናይ ቋሕ-ሰም ህሞት ኣይትጫረቱኒ። ብግዜይ ኣይትጻወቱ። ሎሚ ግርጭትኩም ይኹን ምዝርራብኩም ምሳይ ጥራይ’ዩ ክኸውን ዘለዎ። ተጣበቕተይ ወይ ወንጀልተይ ብምዃን ክትመቓቐሉ ኣይደልን’የ። ኣነ’የ መባእስትኹም ምሳይ ተባኣሱ። ክሕነቕ’የ፣ ካብ ድሌተይ ከኣ ዝዓግተኒ የለን። እቲ ዝማጐት ምሳይ ይማጐት።” ቀለተ መገላገሊ ሓሳብን መጠንቀቕታን ኣቕረበ።
“ሓንሳእ እሞ ሓንሳእ! ድምጽና ንውሓጦ። ሓንሳእ እሽታ፣ ዝገብር ነዲኡ ነይነግር’ዩ ዓድና። ዝገብሮ የብሉን። ግደፉዎ ኣብ ዝበጽሖ የብሉን። ዝፈከረ እንተፈከረ ኣይውዕሎን’ዩ ኣይትሸጋገሩ። ስረኡ ዓጢቑ ዘይክእል ስረኹም ከፍትሓኩም የብሉን።” ጭቃ ዓዲ ኣፉ ከፈተ።
“ብትዕቢት ተወጢሩ ጊላ ህዝቢ ምዃኑ ካብ ዝረስዐ ዝጽበዮ የብለይን። ኣብዚ ደረጃ’ዚ ዝበጻሕኩ፣ ብምልኪ ስለ ዝተበሳጨኹ’የ። ኣተዓጣጥቓ ስረ ዘይምኽኣለይ ኣተዓጣጥቓ ዝምህር ብዘይምህላዉ’የ ዝኸውን። ሎሚ ዓጢቐዮ ዘለኹ ስረ ግን ስረኹም’ዩ ከፍትሓኩም። ይውዕሎዶ ኣይዕሎን፣ ምርኣይ ምእማን’ዩ። ዓዲ ብዓዳ ክትርእን ክትምስክርን’ያ። ብዛዕባ’ዚ ዘጠራጥር የለን። ‘ቀለተ ዝተሓንቀሉ ዘመን’ ዝብል ኣብ ዓውደ ኣዋርሕኩም ከም መዘኻኸሪ ክሰፍር’ዩ። ‘እንታይ ኰይኑ ተሓኒቑ፧’ ንዝብል ሓታቲ ግን መልሲ ኣዳልዉ። ሎሚ ሓታቲ እንተ ተሳእነ ጽባሕ ዝሰኣን ከይመስለኩም። ሓታቲ ክህሉ እዩ፣ መልሲ ኣዳልዉ።” ኢሉ፣ ንካልኢታት ዝን በለ።
ጐረርኡ ድሕሪ ምጽራግ ድማ፣ “ረሲዐልኩም ግዳ ዓድና፣ ምራን ሕኑቕ ፈውሲ ስራይ’ዩ ክበሃል ሰሚዐ ኣለኹ። ካባይ ንላዕሊ እዛ ዝሕነቐላ ዘለኹ ገመድ ከም እተገድሰኩም ኣይስሕቶን። ብግዜ ቀትሪ ከይትረኣዩ ኣብ ሕፍረት ኢኹም ክትዕቈቡ። ጸላም ተጐልቢብኩም ግን ክትቀዳደሙላ ኢኹም። ኣብቲ ጸላም ከደኖ እትገብርዎ ወፍሪ ክትካተሩን ክትቃተሉን ግድን’ዩ። ስስዐ ከም ዘዕውረኩም ኣይጠራጠርን። ናይ ወዲ በረቐ ዓቢ ምስክር’ዩ። ሬሳኡ ከይሰርዑን ከይገነዙን ገመድ ካብ ክሳዱ ኣምሊቘም ዝተሰወሩ ሰባት ከም ዝነበሩ መን ይርስዖ፧ ኣብ ቀብሩ ውን ኣይወዓሉን። ኣብ መገሻ ከም ዝቐነዩ ኣብ ዓሱሩ እዮም ገጾም ዝኸደኑ። እዛ ዝሕነቐላ ዘለኹ ገመድ ብሓቂ መድሃኒት ትኸውን እንተ ዀይና ግን ኣብ ምምቓላ ደኣ ከይትበኣሱ ’ምበር፣ ከም ውርሻ ናብ ኩልኹም ንኽትመቓራሕ ክታመይ ከንብር ድሉው’የ።” ብምባል ቃል ኣተወሎም።
“ኣታ ዳሕራዩ’ባ ይገድድ፣ ካን ንውርደትና ድዩ ተዓጢቑ፧” ኢሉ ሓደ ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዝርከብ ድልዱል ሰብኣይ ድሕሪ ምዝራቡ፣ ንዕኡ ተኸቲሉ ፍኑው ናይ ምጉርምራም ድምጺ ተሰምዐ።
“ዓድና! ምዕዝምዛም ዋጋ የብሉን። ሞራላዊ ሕጊ’ዩ፣ ሰብ ነብሱ ንኸየጥፍእ ኣፈራሪሕና ክንሕዞ ማለትኩም እንተ ዀይኑ ኣይምተጸልአን። ሞራል ግን ብምፍርራሕ ኣይሕሎን’ዩ። ንሞራል ካብ ትቐትሉዎ ውን ነዊሕ ኰይኑ ኣሎ። ሕጊ ተነቒሉ፣ ፍትሒ ተጓዕጺጹ፣ ናይ ይግባይ መሳኹቲ ኩሉ ተዓጽዩ፣ ሰብ መተንፈሲ ስኢኑ። ‘ናይ ይግባይ መሰለይ ይተሓለወለይ’ ንዝበለ ከኣ ውጉዝ ከም ኣርዮስ ኢልኩም ትዅንንዎ። ዓድና፣ ፍትሒ እናኣቕጠንኩምሲ ቀጢን ገመድ ከኣ ትኸልኡ ኣለኹም። እንታይ’ዩ ኣብኡ ዘብጽሕ ዘሎ ኢልኩም ዘይትሓስቡ። በዚኣ ኪድ እንተ ዘይከድካ ኣብኣ ትደኻ ኰይኑ መምርሒኹም። ፍትሒኹም ቀኒኑ። እቲ ዝኸፍአ ሳዕቤኑ ከኣ ሓድሽ ወለዶ ውን ከም ዘለዎ ይወርሶ ምህላዉ’ዩ። ደቂ ተመን ኣትማን እምበር ረጋቢት ክዀኑ ኣይረኣናን። ካብ ዓይኑ ዝተዘርገ ማይ ጸርዩ ኣይጸርን’ዩ። ዘረግቲ ፍትሒ፣ ሓነቕቲ ፍትሒ ምዃንና ገና ኣይተሰወጠናን ዘሎ።
“ጓል ምሕጹን መግዛእቲ ሰብኣያ መሪሩዋ፣ ምሳሓ ጸርፊ ድራራ በትሪ ምስ ኰነ፣ ‘ሰብን ጓል ሰብን’የ እሞ ኣፉን ኢዱን ክእክብ መዓዱለይ፣ ከም ጊላ ዘይኰነ ማዕርነተይ ይረጋገጸለይ፣ ከም መመላእታ ዘይኰንኩ ምሉእነተይ ይተኣመነለይ’ እናበለት ኣየሰመዐትን ዲያ፧ ዝተዋህባ መልሲ ምድጋሙ የሕፍር። ማዕረ ምዃኖምን ዘይምዃኖምን ንኽትፍተን ብደዋ ሽንቲ ማያ ክትደፍእ ተኣዚዛ። ‘ናይ ስነ-ሂወት ንስነ-ሂወት ናይ ሰብኣውነት ንሰብኣውነት ንሃቦ’ ኢላትኩም ኣይሰማዕኩማን። ስለ ዘይሰማዕኩማ ከኣ ላምባ ከስኪሳ ንነብሳ ኣቃጺላ። ነብሳ ስለ ዝቐተለት ኣይንፈትሓን ኢልኩም ብዘይቅዳሰን ውዳሰን ኣፋኒኹማ። ከላ ዘይረዳእኩማ ዶ ምስ ዓረፈት ፍትሒ ክትህብዋ! እዚ’ዩ ምስልኹም ዓድና።” ምስ በለ፣
“ዝባን መንግስቲ ይብለካ ኣለኹ ቀለተ! ዝባን ሕጊ፣ ዝተዓጽወ ፋይል ኣይትገንጽል። ሃየ ረኣዩ ስምዑ፣ ሕግናንን ክብርናን ይድፈር ኣሎ!” ሓደ ካህን ኣዕገርገሩ።
“ከምቲ ዝዀለፍኩምኒ ከይኰልፈኩም፣ ወዲእኩም ዲኹም፧” ህድእ ኢሉ ሓተቶም።
“ክትውድእ ስለዘይደለኹኻ ’ንድየ ኰሊፈካ! ኣደብ ግበር … ኣፍካ ሓዝ ቀለተ! ሕጂ እውን ዝባን ሕጊ ይብለካ ኣለኹ! ዝባን መንግስቲ ዝተዓጽወ መዝገብ ከይትኽፈት!” ኣጓጠጡሉ።
“ዝተዓጽወ ከይተራሕወ ብርሃን ኣይኣትዎን’ዩ። ዝተዓጽወ ክኽፈት ኣሎዎ። ክዕበጥ ዘይብሉ እናዓበጥኩም ብርሃን ኣይትኽልኡ። ጽባሕ ስለ ዘይዛረብ ኣይትገዝዙኒ። ዝሓለፈ ዘይኣኽለኒ፣ ብድብኦ ትእዛዝ ክሳዕ መኣስ’የ ክዕበስ፧ ክትፈትዉ ክትጸልኡ ገና ዝምልኦ ኣለኒ።” ዘረባኡ ነድሪ ተወሰኾ። “ከብደይ ብዙሕ ዓቚሩ ኣሎ። ፈሪሑ’ምበር ኩሉ ከማይ ውሽጢ ሕሩር’ዩ ዘሎ። ክንደይ ዝቘሰለ ልቢ ኣብ ማእከልኩም ኣሎ። ምዒተልካ ንዓዲ የልምዕ’ዩ ዝበሎ ሓሳብ ስለ ዘቕረበ፣ ‘ምስ ጎደቦ ዓዲ መኺርካ ዓዲ ከተጥፍእ’ ኢልኩም ብሂወቱ እንከሎ ቀቢርኩሞ። ብምዕዶ ክእረም፣ ክኣምን ወይ ከእምን ዕድል ኣይተዋህቦን። ጉድኩም ደረት ተሳኢንዎ ዓድና። ከም ንሓደ ፈጣሪ ንሓደ ሰብ ኴንኩም ትኣምኑ። ዓዲ ከም ዝመኸነት፣ ‘ንሱ ዝበላ ኣምላኽ ዝበላ’ ኰይኑ መምርሒኹም። ፍርሒ ሓድሽ ሓሳብን ሓድሽ ሰብን ተቘጻጺሩኩም፣ ክትልወጡን ክትልውጡን ተጸጊምኩም። ‘ካብ ዘይትፈልጦ መልኣኽስ ትፈልጦ ሰይጣን’ ኰይኑ መምርሒኹም። ክንደይ በሊሕ ኣእምሮ ምስ ዓቕሙን ብልሑን ዓዲ ከይተጠቕመትሉ ይበልን ይባኽንን ኣሎ። ሕሉፍ ሓሊፉኩም ዓለማውን መንፈሳውን ስልጣን ሓዋዊስኩሞ። እቲ ኣብ ደብረ ሰማይ፣ ኣብ ልዕሊ ፈለስቲ ዝተፈጸመ ምግሳስ ከመይ ኢሉ ቅቡል ይኸውን፧ ፈለግ-ኣዋልድ ዘጽደቖም ሕጋጋት ቀለሞም ሃፊፉ ብራናኦም ተጓሒፉ። ጸረብቲ ናይቶም ሕጋጋት ወሓለታት ከም ዘይበልኩሞም ሎሚ ቈራያት ትብሉዎም ኣለኹም። ዓድና! ክትፈትዉ ክትጸልኡ መጋብርኩም ዓዲ ኣየጋብርን’ዩ! ምንባር ምሳኻትኩም ኣበይ ይከኣል፧ ደጊም ተባቲኽና ኢና። ክሳዕ መኣስ ክንተሓጓጐል፧ ኣብዚ ተረኣኢናን ተጻጊብናን ኢና። ናይ ድሕሪ ሞት ከኣ ድሕሪ ሞት ንርእዮ። ኣብኡ የራኽበና።” ሓንሓነ ቀለተ።
“ዝበደልኩኹም ይቕረ ክትብሉለይ፣ መሪቕኩም ከተፋንዉኒ ዶ ኣይበልካን ቀለተ፧” ዝተወጃበሮም ሽማግለ ሓተቱ።
“መርገምኩም ውን ምርቓ’ዩ። ካብኡ ንላዕሊ ክእለት የብልኩምን። ኣብ ኢድኩም ዘሎ ግበሩ።” ኣሕጺሩ መለሰ።
ኵሉ ሰብ ነገራቱ ደንጸዎ። ብስቕታ ተዋሕጠ። ሓደ’ኳ ርእሱ ዘቕንዐ ኣይነበረን።
ቀለተ ንኵነታቶም ተዓዚቡ፡ “ሰብ ክመውት ከሎ ክርኢ ዘይደሊ፣ ህጻናትን ነፍሰ ጾራትን ግልል ምባል ከድልየኩም’ዩ። እቶም ክትርእዩ ትደልዩ፣ ክሰሓግ ከለኹ ከብድኹም ክገላበጥ የብሉን። ከምቲ ፍትሒ ክትሕነቕ እንከላ ገጥ ዝበልኩሞ ገጥ በሉ። ኣማውታይ ኣብ ሕልምኹም እናመጸ ከየባህርረኩም ግን ዘይምርኣዩ ይመርጸልኩም። እቶም ንይምሰል እትነብሩ ከተምስሉ ከይትበኽዩ። ኣነ እናሰሓቕኩኹም’የ ዝኸይድ ዘለኹ። ምስ ምስሉያት ዘንብር ባህሪ የብለይን። ሰዓት ምብጋሰይ ኣኺሉ ኣሎ። ንስኻትኩም ውን ነናብ ገዛኹም ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም። ክጸንሕ’የ ዝበለ ከኣ ይጽናሕ። ደሓን ኩኑ።” ኢሉ ተሰናበቶም።
ገመድ ኣብ ክሳዱ ኣእተወ። ካብ ዝነበሮ ቀራና ክፋል ናይቲ ገረብ ንምዝላል ኣብ ዝተዳለወሉ፣ ደው ዝበለ ሰብ ኣይነበረን። ኩሉ ጕያ ተተሓሓዞ። ካብ መልኣከ ሞት ከም ዝሃድም ክጸቓቐጥ ጀመረ። ኣማልሳኡ ከም ኣመጻጽኣኡ ነበረ። ቅርዓት ዓዲ ሰብ ከም ዘይነበሮ ኣሕለምለመ። ቀለተ ንበይኑ ምስ ተረፈ ክርትም ኢሉ ሰሓቐ። ንዝሰቐሎ ገመድ ኣውሪዱ ጠቕለሎ። ጕዕዞኡ ንሸነኽ ምብራቕ ብምቕናዕ፣ ዓዲ ገዲፉ ንምኻድ ስጕምቱ ሓደ ኢሉ ጀመረ።
ለካቲት 2016
Discussion about this post