ወዲ ኣርባዓ
እዛ ማሕላ
ኣብ ልሳንካ ይመስል ሰፈራ፡
ብስም ኣደኻ
ብስም ኣቦኻ
ብስም ስዉኣትካ
ብስም…. …፡
ማሕላ ሃገር
ማሕላ ሓቂ
ማሕላ ኪዳን
ማሕላ ፍቕሪ
ክንደይ ግዜ ምሒልካ
እንድዒ!
ኣይብለካን፡
ማሕላ ዕብዳንከ
ምሒልካዶ ኣይመሓልካን?
እትምሕሎ ይበዝሕ፡ ምሒልካ እትጠልሞ
ብማሕላ እተሰንዮ፡ ንዘይትፍጽሞ እትደጋግሞ፡፡
ምበልኩኻ
ንማሕላኻ ኽንደይ ግዜ ሓሊኻ?
ዘይትዝክሮ እሞ ኸም ዝመሓልካ!
ብማሕላ ኸይትቕተል ማሕላኻ እናቐተልካ።
Discussion about this post