ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፍ ንብሪክስን ኣመሰራርታኡን ምስ ዕላምኡ ኽንርእይ ፈቲንና ነይርና። ምትእኽኻብ ሃገራት ብሪክስ፡ ኣብ ውሽጢ ኣስታት 20 ዓመታት፡ ካብ ባዶ ተበጊሱ ኣብዚ ደረጃ ምብጽሑ፡ ነቲ ኸም ገባቲ ዝግለጽ፡ ብጕልባብ ዓውለማ ኣብ ምስፍሕፋሕን ሓዲሰ-መግዛእትን ኣድሂቡ ዝጸንሐ፡ ብምዕራብ ዝዕብለል ሓደ ቐጽራዊ ዓለም፡ ሕማም-ርእሲ ዀይንዎ ኣሎ። ቅልጡፍ ቍጠባዊ ዕብየት ሃገራት ምትእኽኻብ ብሪክስ፡ ኣብቲ ንነዊሕ እዋን ከም ዓብላሊ ትውጊት ኰይኑ ዝጸንሐ ዶላር እውን ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ። ይኣኽለና ዶላርን ሓሳርን ዝብላ ሃገራት ይብርክታ ኣለዋ። ነታ ዶላር እትሓትም ማሽን ካልእ ባጤራ ዝሓትም ማሽን ከም ዘሎ ይሕብራኣ ኣለዋ። ንገለ መርድእ፡ ንብዙሓት ድማ ብስራት ምዃኑ’ዩ።
ብሪክስ፡ ነቶም ዓበይቲ ፋይናንስያዊ ትካላት ዓለምና ዝዀኑ፡ ከም ዓለማዊ ማዕከን ገንዘብን ዓለማዊ ባንክን ብኸመይ ይገጥሞም ወይ ይትክኦም፡ ሓሲቡን ኣርቂቑን’ዩ ተበጊሱ ዘሎ። ሓድሽ ባንክ ልምዓት (ኒው ደቨሎፕመንት ባንክ) ኢሉ ዝሰመዮ ፊናንሳዊ ትካል ድማ መስሪቱ ኣሎ። ናይ ገዛእ-ርእሱ ባጤራ ብምርቃቕ ናብ ትግባረ ኸቛምት ይሰርሕ ምህላዉ እውን ይዝረብ ኣሎ። ብዙሓት ሃገራት ከኣ ተጠቀምቲ እዚ ሓድሽ ባጤራ ንኽዀና ሃንቀውታአን ብምንጽብራቕ ኽጓየያ ይረኣያ ኣለዋ። እተን ብኣናብር ኤስያ ዝፍለጣ ሃገራት ብእኩብ ተጠቀምቲ ንምዃን ምውሳነን ሓደ ተርእዮ እዩ። ኣገዳስነት ዶላር ከም ዘንቈልቍል ንምግባርን ካልእ ተወዳዳሪ ባጤራ ንኽህሉን ዓቲቡ ዝሰርሓሉ ውጽኢት ክህብ’ዩ ዘየብል ኣይኰነን። ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ኸይተረፈ ንባጤራ ዶላር ካብ ምጥቃም ምቍራጽን ኣማራጺ ምድላይን ብወግዒ ክዝረበሉ ጀሚሩ ኣሎ። ሕሱም ምዝመዛ፡ ዝሓሸ መገዲ ኸይፈጠረ ዝተርፍ ኣይመስልን።
ብሪክስ፡ ጽልዋ መራኸቢ ብዙሃን ቀሊል ብዘይ ምዃኑ፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን እውን ጽልዋ ገዛእ-ርእሱ ንምስፋሕ ይሰርሕ ኣሎ። ወግሐ ጸብሐ ድማ ስሙ እናገነነ ይመጽእ ኣሎ። ብሃገራት ምዕራብ ከይተረፈ ኣስጋእነቱ ኻብ ብውሽጢ ውሽጢ ብጋህዲ ኽዝረበሉ ይስማዕ ኣሎ። ተፋጠጥን ንምግጣሙ ተጓየን ኰይኑ ኣሎ።
ኣብዚ ሰዓት ኣስታት 24 ሃገራት ናብዚ ምትእኽኻብ ንኽኣትዋ ልዳት ብሪክስ ይኹሕኩሓ ኸም ዘለዋ እውን ይዝረብ ኣሎ። ብሪክስ፡ ከም ሓድሽ ዓለማዊ ስርዓትን ከም ኣማራጽን በሎኽ ኣብ ዝብለሉ ዘሎ እዋን፡ ካልእ ርእዮተ ዓለም ክንጽበ ድማ ግድን ይኸውን። ኣብ ምክብባር፡ ማዕርነትን ሽርክነትንዶ ወይስ ከምዚ ዝጸንሐ ኣብ መዝማዝን ተመዝማዝን ወይ ዓብላልን ተዓብላልን ናይ ግዜ ሕቶ ይኸውን።
እቲ ዝጸንሐኸ ዝብል ሕቶ ኽለዓል ግድን እዩ። ሓደ ተኻሒዱ ዘይከሓድ ኣድማሳዊ ሓቂ ኣሎ። ስልጣነታት ይውለዱ፡ ይዓብዩ፡ ኣሪጎም ድማ ይመቱን ኣብ መዛግብቲ ታሪኽ ይቕበሩን። ኣብ ሓደ ወለዶ ወይ ክልተ ወለዶ ዘይኰነ ድማ ኣብ ሰብዓ ዓመት፡ ሓደ ዘመንን ልዕሊኡን ክኸውን ይኽእል። ግዜ ይነውሕን ይሓጽርን እምበር፡ ቀብሪ ኣረጊት ስርዓት ኵሉ ግዜ ዝተርፍ ኣይኰነን። ብዙሓት ተጠቀስቲ እምበራጦሪያታት ዓለም፡ ዝናኦም ገዲፎም ከብቅዑ ተራእዮም እዮም። ዖቶማናዊ እምበራጦርያ፡ ሮማዊ እምበራጦርያ፡ መግዛእቲ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ኣፍሪቃን ኤስያን ግዜኦም በሊዖም፡ ኵሎም ተዀርምዮም እዮም ተሪፎም። “ጸሓይ እንግሊዝ ኣይትዓርብን እያ’ እናተባህለ እተጨርሓሉ ስፍሓት ግዝኣት ዓባይ ብሪጣንያ ዓሪቡ እዩ። ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን ድማ፡ ዓለም ንመጽሓፍ መወዳእታ ታሪኽ ዓጺፋ፡ ንመጽሓፍ ሓድሽ ታሪኽ ኽትግንጽል እያ እትመስል ዘላ።
ሓደ ቐጽራዊ ዓለም፡ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ጀሚሩ ክሳዕ ሕጂ ብብዙሕ መድረኻት’ዩ ሓሊፉ። ብዋናታቱ፡ ከም መወዳእታ ታሪኽ ዓለም እናተገልጸ ድማ፡ ብሕጂ ዝትንስእ ዓለማዊ ሓይሊ ከም ዘየልቦ ተኣሚኑሉ ኽኸይድ ጸኒሑ ኣሎ። ንኽጸንሕ ዘኽኣልዎ ረቛሕቲ ንምጥቃስ፡ እቶም ንረብሓኡ ቢሉ ዝጠፍጠፎም ኣህጉራውያን ትካላት እዮም። እቶም ከም መሳርሒ ዝጸንሑ ዞባውያንን ኣህጉራውያንን ውድባትን ትካላትን እንታይ ይመስሉን ንመን የገልግሉን ምስ እንብል፡ ነቲ ብኽብርታቱ ዝሃነጾም ምዕራባዊ ሓይሊ ምዃኖም ዘየጠራጥር ይገብሮ። ዘኸተልዎ ዕንወት ምስ እንርኢ ድማ ቐሊል ኣይኰነን። ርሑቕ ከይከድና፡ ኤርትራ ከም ኣብነት ምስ እንርኢ፡ እቲ ጥሙሕ ብቐሊሉ ኽንርደኦ ዘኽእል እዩ።
ኤርትራ ምስ ብሪክስ ዘሰማምዓ ነጥብታት እምበኣር፡ ግዳይ ምዕራባዊ ሓይልን ጥሙሓቱን ኰይና ብምጽንሓን ብምህላዋን እዩ። ካብ መፋርቕ 1940ታት ጀሚሩ፡ ኣንጻር ሃገራዊ ናጽነታ ንእተገብረ ፖለቲካዊ ሸርሕን ዓመጽን ክትቅይር መሪር ቃልሲ እያ ኣካይዳ። ብዕጥቃዊ ቓልሲ፡ ናጽነታ ኽውን ኣብ ዝዀነሉ ድማ፡ ብእተፈላለየ ተጻብኦ ኽትሕንኰልን ዋጋ ኽትከፍልን ጸኒሓን ኣላን። ኣብ 1952 ኣንጻር ባህጊ ህዝባ ምስ ኢትይጵያ ብፈደረሽን ካብ ምቝራን ጀሚሩ ኽሳዕ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊኣ እተስገደዱ ተኸታተልቲ እገዳታት ምጥቃስ ይከኣል።
እተኸተለቶ ፖለቲካውን ቍጠባውን ፖሊሲ ርእሰ-ምርኰሳ፡ ንምጽወታን ተጸባይነትን ኣወጊዱ፡ ኵሉ መዳያዊ ሓርነት ዘረጋግጽ ብምዃኑ፡ ከጠምታን ከቢድ ዋጋ ከኽፍላን’ዩ ተራእዩ። “ጽቡቕ ኣብነት፡ ሕማቕ ኣርኣያ” እናተባህለት ክትግለጽን፡ ተጻረርቲ ኽበዝሕዋን እውን ግዜ ኣይወሰደን። ኲናት፡ ፖለቲካውን ዲፕሎማሲያውን ተነጽሎ፡ ቍጠባውን ወተሃደራውን እገዳታትን ካልእን ድማ ኣብ ልዕሊኣ ስዒቡ። ካብዚ ንኽትወጽእ ከኣ ክልተ ኣማራጺ ጥራይ’ዩ ነይርዋ – ኤርትራ። ክትሰግድ ወይ ንእተጻወዱ ኣፋትል ዓመጽ ክትበትኽ። እቲ ኣብዚ እዋን ዝረአ ዘሎ እምበኣር፡ ንኣፋትል ዓመጽ ንምብታኽ፡ ምስቲ ጽልዋኡ እናደፍአ ዝመጽእ ዘሎ ምትእኽኻብ ሃገራት ብሪክስ ብፍላይ ድማ ምስተን ዓበይቲ ሓይልታት ዝዀና ቻይናን ሩስያን ምምሕዛው፡ መተካእታ ዘይብሉ ኣማራጺኣ ዀይኑ ኣሎ። ኤርትራ ከም ኣብነት ደኣ ትጠቐስ እምበር፡ ብሪክስ ምርጫ ዝበዝሓ ሃገራት ኣፍርቃ ምዃኑ ዘየካትዕ ኰይኑ ዘሎ ይመስል። ካብ እተፈላለየ ኵርናዓት ኣፍሪቃ ዝቃልሑ ዘለዉ ድምጽታት፡ ንሓድሽ ዓለማዊ ሓይሊ ዝረዓመ ቃና ይደጋግሙ ኣለዉ።
ሓደ ካብቲ ንምትእኽኻብ ሃገራት ብሪክስ ከም ጸጋ፡ ንሃገራት ምዕራብ ድማ ኸም ስግኣት ኰይኑ ዘሎ ብዝሒ ህዝቢ ምትኽኻብ ሃገራት ብሪክስ እዩ። ኣብ ዓለም ብብዝሒ ህዝቢ ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ዝስረዓ ቻይናን ህንድን፡ ኣባላት እዚ ምትእኽኻብ እየን። ኣፍረይትን ኣህለኽትን ክዀና እንከለዋ ንፍርያት እቲ ዓብሊሉ ዝጸንሐ ምዕራባዊ ዓለም ባይታ ምኽላእ ይኸውን ምህላዉ ዘካትዕ የብሉን። ብቐንዱ፡ ኣብ ምምዕባል ኣብ ዝርከባ ሃገራት፡ ጽልዋ ብሪክስ እናዛየደ ኽመጽእ ይረአ ኣሎ። ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል እዚ ጽሑፍ እተገልጸ፡ ውጥን ብሪክስ ኣብ 2050 ብቝጠባውን ፖለቲካውን መዳይ ተወዳዳሪ ንምዃን እኳ እንተነበረ፡ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ንለውጢ ቅሩባት ግዲ ጸንሐን፡ ናብ ሸቶኡ ብናህሪ የምርሕ ኣሎ ክበሃል ይከኣል።
ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት፡ ብዝሒ ህዝበን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ፡ ብፍላይ ድማ ኣፍራዪ ሓይሊ ዝዓብለሎ ብምዃኑ፡ ሓደ ኸም መለለይአንን ብልጫአንን እዩ። እዚ ድማ ከም ፍሉይ ጸጋ ፍርያምነት ንሃገራት ብሪክስን ደገፍተንን ክግለጽ ይከኣል። ብሓፈሻ ኽረአ እንከሎ መጠን ወሊድ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ክውስኽ፡ መጠን ወሊድ ዝማዕበላ ሃገራት ድማ ኸንቈልቁል ወይ ኣብ ደውታ ምስ ምጽንሑ፡ ንጠለብን ቀረብን ይኹን ኣፍራይነትን ኣህላኽነትን ብቐጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ ኽጸልዎ ተራእዩ ኣሎ። ሃገራት ምዕራብ፡ ንዘንቈልቁል ወይ ኣብ ደውታ ንዘሎ መጠን ወሊድ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ምምዕባል ካብ ዝርከባ ሃገራት ብመልክዕ ኣእምሮኣዊ ፍልሰት ወይ ንስደት ከም ማና ብምቕራጽ፡ ናብኣተን ከም ዘቕንዕ ከተባብዓ ጸኒሐን እየን። እዚ ክሳዕ መኣስ ይጸንሕ ግዜ መልሲ ዝህበሉ ይኸውን።
ኣብ ቀረባ ግዜ ኽረኣዩ ኻብ ዝኽእሉ ኽስተታት ዓለምና፡ ምንቍልቋል ኣገዳስነት ዶላር ከም ዓለማዊ ትውጊት ዕዳጋ፡ ምፍጣጥ ክልተ ዓለማዊ ሓይሊ፡ ጥምጥም መሰል ቀውፊ ኣብ ባይቶ ጸጥታ (ብኡ ኣቢሉ እውን ክሳዕ ምፍራስ ወይ ምሕዳስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክኸይድ ዝኽእል)፡ ምልማስ ኣህጉራዊ ትካላት ብፍላይ ድማ ከም እኒ ከም መፈራርሕን መቕጽዕን መብዛሕትኦም መራሕቲ ኣፍሪቃ ዘገልግል ዓለማዊ መጋባእያ ገበናት ኲናትን ካልኦት ብምዕራባዊ ሓይሊ ተሃንዲሶም ፈልዮም ዘጥቅዑን ዘይሚዛናውያንን ትካላት ክስዕብ ተኽእሎታት ኣሎ።
ብሪክስ እምበኣር ንዓለምና መድሃኒትን ሕማምን ምዃኑ ዘማትእ ኣይኰነን። ነቲ ተወጺዑ ኽሳቐ ዝጸንሐ ክፋል ህዝቢ ዓለም፡ መድሃኒትን ተስፋን ክኸውን እንከሎ፡ ነቲ ንዓለም ተቘጻጺሩ ኸም ዝጥዕሞ ኸሽከርክራ ዝጸንሐ ሓደ ቐጽራዊ ዓለም ድማ፡ ብዘይካኡ ካልእ ኣማራጺ ሓይሊ ኸም ዘሎ ዀይኑ ብምቕራቡ፡ ሕማም-ርእሲ ኸም ዝዀኖ ዘማትእ ኣይኰነን። ድሮ ድማ እቲ ነጸርታ ኽረአ ጀሚሩ ኣሎ።
Discussion about this post