ሓርነትካ ካብ ገዛእ ርእስኻ’ዩ ዝጅምር። ሓርነት ዘለዎ ፍጡር ክሳብ ዘይኰንካ፡ ብዛዕባ ሓርነት ካልኦት ፈጺምካ ኣይትዛረብ። እተድምጾ ድምጺ፡ ካብ ውሽጥኻ ክወጽእ ኣለዎ። ድጋም ክኸውን የብሉን። ድጋም ምስ ዝኸውን ከም እትሰማማዓሉ ጥራይ ምግላጽ ኣኻሊ’ዩ። እትኸዶ መገዲ ብባዕልኻ ክቕየስ ኣለዎ። ንዘየፍለቕካዮ ሓሳብ ውን ኣይተሳሲ። ከም ዝፈጠሩኻ ክውንኑኻን ጊላኦም ክገብሩኻን ዝጽዕሩ ምህላዎም ኣይትዘንግዕ። መገዲ ህይወቶም ዘይሃንደሱ መገዲ ህይወትካ ክህንድሱ እንተ ረኸብካዮም ኣይትደነቕ። ብቃንዛኻ ዝስሕቁን ብሰሓቕካ ዝበኽዩን ብምርኣይካ ኣይትገረም። ሓርነቱ ኣብ ዘየረጋገጸ ፍጡር ዝኽሰት ተርእዮ ምዃኑ ተረዲእካ ንሓርነትካ ጥራይ ተቓለስ።
ብወለላ መደረ ወይ መብጽዓ ኣይትታለል። ከም ኣብ ኵሉ ንጥፈታት ኣብ ምትላል ውን ጥበብ ከም ዘሎ ኣስተውዕል። ብመሳልል መብጽዓ ንተስፋኻ ሰማይ ምስ ሰቐሉዎ ምውራዱ ከይትሽገር፡ ልብኻ ኣውዲቕካ ኣይትቀበሎ። ኵሉ ንጽቡቕካ መሲሉ ዝዝረብ ወይ ዝእቶ መብጽዓ ንሕማቕካ ክኸውን ውን ዝዓበየ ተኽእሎ ኣሎ። ብግርህነትካ ካብ እትጠዓስ ግን ጥንቅቕ በል። ካብ ዘውሩዱዎ ሕቶ፡ መልሲ ድልየታቶም ክትረክብ ክኣል።
ቅልጽም ወይ ጁባ ብዘሕበጠ፡ ንውልቃዊ ሓርነትካ ብዝዀነ ይዅን ዋጋ ኣይተድፍር። ብስጋዊ ዝምድና፡ ብዕርክነት ወይ ምሕዝነት፡ ብንዋት ወይ ብገንዘብ ክሽምቱዎ ዝደልዩ ከጋጥሙኻ እዮም። ክትሸጠሎም ፍቓደኛ ኣይትዅን። “ነጻ ምሳሕ ዝበሃል የለን” ንዝብል ፍልስፍናኦም፡ ካብ ከንፈሮም ዘይኰነ ካብ ልቦም ክትረኽቦ ክኣል። ካብ ከንፈሮም ክሳዕ ትረኽቦ እንተ ተጸቢኻ ግን ዓሺኻ ኣለኻ። ብበላሓ ከም እትፍጠር እሾዅ፡ ዋጋ ሓርነትካ ብብልሕኻ ከተርእዮም ፈትን። ከምዚ ምስ ዘይትገብር፡ ክምዝምዙኻ፡ ከመሓድሩኻ ወይ ክወራዘዩልካ ዝፍትኑ ኣይሰኣኑን። ንሓርነትካ ዘየቐድም ስጋዊ ዝምድና፡ ምሕዝነት ይዅን ዕርክነት ግን ጐዱፍ ይጽሮ።
ኣብ ነብስኻ እንተ ዘይኰኑ ኣብ እኩብ ኣይትእመን። ነብሱ ዘይኣምን’ዩ ኣኼባ ዝፈቱ። ኣብ ውሽጡ ዝሰኣኖ ፍታሕ’ዩ ኣብ ኣኼባ ዝደልዮ። ፍታሕ ሒዞም ዝተኣከቡ እንተ ዘይኰይኑ፡ ፍታሕ ክደልዩ ዝእከቡ ፍትሒ ከምጽኡልካ ኣይትመነ። ይዀነኒ’ዩ እትብሎ ካብ እኩብ ግልል ኢልካ ድለዮ። ንነብስኻ እመናን ትብዓት ኣስንቃን። ንቀልዓለም ዘይምንባር። ከይትጽላእ ፈሪሕካ ንኽትፍቶ ኣይትመሳሰል። ገጽ ርአ ካብ ምዃን ንዅሉ ነናቱ ሃቦ። ንጸሊም ጸሊም ንጻዕዳ ጻዕዳ እንተ ዘይኢልካ ብሓርነትካ ትዋገ ምህላውካ ፍለጥ። ተገላባጢ መርገጺኻ ክብሪ ከም ዘየውህበካ ተገንዘብ። ንገዛእ ርእስኻ ተኣማኒ ክሳብ ዘይኰንካ ብዝዀነ ይዅን ወገን ክትእመን ኣይትጸበ።
መስትያት ህይወት ብዙሕ ከተርእየካ’ያ። ኣብ ጸገሞም ዝሃድኑኻ ኣብ ጸገምካ ዝሃድሙኻ መኻፍልቲ ናብራ ከጋጥሙኻ ምዃኖም ኣይትስሓት። ብእሾኽ ንዝተሰርሐ ድልድል ኣብ ማእገርካ ተወጢሖም ዝሰገሩዎ ወይ ክሰግሩዎ ዝሕልኑ ክዀኑ ይኽእሉ’ዮም። ከብዲ እግርኻ ንዝበስዐ እሾኽ ግን ነቒሶም ኣይከውጽኡልካን እዮም። ብኣንጻሩ፡ ኣብ እትደምየሉን እትነብዓሉን እዋን፡ ኣብ ቅርዓት ሕሜታ፡ ንስምካ፡ ልዕሊ እታ ብቃንዛኻ እትሳቐ ወላዲትካ ክደጋግምዎ ክርኣዩ’ዮም። ሓጥኣን ውን ኵሉ ግዜ ጻድቃናት መሲሎም ከም ዝቐርቡ ተገንዘብ።
ትሕትና ክህልወካ ሰናይ’ዩ። ኣብ ትሕቲ ሰብ ዘንብረካ ግን ክኸውን የብሉን። ከም ኣባት ነብሲ፡ እዚ ግበር እዚ ኣይትግበር ዝብሉን ከናዝዙኻ ዝጓየዩን፡ ወሰንቲ ድልየታትካን ዕድልካን ብተደጋጋሚ ኣብ ፊትካ ክግተሩ እዮም። ኣይትሰንብድ። ካብ ኣቀማምራኦም ወጻኢ ካልእ ኣቀማምራ ከም ዘሎ ዘየስተውዓሉ ወይ ክህሉ ዘይደልዩ እዮም። ሓሲሙካ ክርእዩን ክትሰግደሎም ዝጽበዩን ኣለዉ። ክዛረቡኻን ከዛርቡኻን ዝተዓጥቁ ክተዃትኹኻ ውዒሎም ክሓድሩ’ዮም። ስምዓዮም ግን ኣይትስዓቦም። መቓብርካ ከም ዘይሓልፉልካ ፍለጥ። ከምቲ ዝደልይዎ ስለ ዘይኰንካሎም ከም ዝጽየኑኻ ተገንዘብ። ከምቲ እትደልዮ ስለ ዘይኰኑልካ ከም ዘይናትካ ርኣዮም። ዕድል እንተ ዘይሂብካዮም፡ ገነት ሓርነትካ ክዓጽዉዎ ሓይሊ የብሎምን። ብልዛዮም ስለ ዘይተሓጸብካ ብረሳሕካ ትነብር ማለት ኣይኰነን። ብልዛዮም ካብ እትሕጸብ ግን ብቀርናዕካ ምንባር ምረጽ።
ካብ ብፍልጠቶም ብዕሽነቶም ክጸቕጡኻ ዝቃለሱ ክበዝሑ እዮም። ኵሉ ቅድመኻ ጸሓይ ዝረኣየ ቅኑዕ ኣይምሰልካ። ብጌጋኻ ዝወራዘዩ ካብ ጌጋ ሓራ ስለ ዘይኰይኑ ኣይትሰከፍ። ኣማኸርቲ ናይ ዝፈጸምካዮ ጌጋ ክንሶም ኢዶም ከንጽሁ ክትርእዮም ኢኻ። እዚ ውን ከገርመካ የብሉን። ዝመስለካን ዝተራእየካን ግበር። ሓላፍነት ዅሉ ንጥፈታትካ ድማ ተሰከም። ጌጋታትካን ድኽመታትካን እመነሎም። ካብኦም ዝዓቢ መምህር ከም ዘይብልካ ተረዳእ። ብሓርነት ኣብ እትዋሳኣ ህይወት፡ ሓርነትካ ዝቕንጥጥ ተዋሳኢ ወይ ኣላዪ ክህሉ የብሉን። ሓርነት ካልኦት ትደፍር ከይትህሉ ግን ኣስተውዕል። እዚ ማዕዳ መሲሉ ክስመዓካ የብሉን። ተመኵሮ ዝመወከሲኡ መዘኻኸሪ’ዩ። ክትጥቀመሉን ዘይክትጥቀመሉን ግን ንኣኻ ይምልከት። ነቲ ሓርነተይ እትብሎ ድማ ክፈታተኖ የብሉን። ወደሓንካ።
Discussion about this post