“ንምትሕቝቛፍ
ንፍቕርን ስኒትን
ሕውነትን ምሕዝነትን፡
ኣብ ኢድና ዘሎ
ሰይጣን ኣይኽኣሎ”
ምስ በሉ መራሒ ጸሎት፡
ዝበዝሑ፡ “ኣሜን” እናበሉ
ሓደ ንበይኑ
“ኣብ ኢድና ዘየሎ ኸ፧”
ብምባል ሓቲቱ።
መራሒ ጸሎት፡
ብሕቶኡ እናተገረሙ
ብውሽጦም ግን እናተራገሙ፡
“ኣብ ኢድና ዘየሎ’ውን
ሰይጣን ኣይኽኣሎ”
መለሱ
ኣፉ ንኽዓብሱ።
ብመልሲ
ዘይዓገበ ሓታቲ
“እሞ ሰይጣን ደኣ ታይ ይደረር፧
ጾሙ ውዒሉ ዶ ጾሙ ይሕደር!”
እንደገና ምስ ተወከሰ፡
“ኣታ ክንደይ ትምዕት
ዘይሕተት ትሓትት
ንጸሎትና ተተኣጓጉሎ
ኣብ ኢድና ዘየሎ
ኣብ ኢዱ’ንድዩ ዘሎ፡
ሰይጣን ሃብታም’ዩ
የብሉን ዝጐድሎ
ንጸሊ’ንዶ ግዳ ክንምንጥሎ”
ምስ በልዎ፡
“ካብ ጸሎት ዘዕርግ ክምንጥሎ
ከይደ’ለኹ ሃብቱ ክካፈሎ
ካብ ክጽልይ
ይቐለኒ ንሰይጣን ክደልይ”
ኢሉ ተዓዚሩ
ይርከቦ ኣይርከቦ ግን
እዝጊ ዋናኡ።
Discussion about this post