(31 ታሕሳስ 2013)
ኣብ ቀለም ሕልና እተጠምዐ ጽሑፍ ተሳኢኑ ምስ ረኣኹ ስኽፍክፍ ክብለኒ ጀሚሩ። ኵሉ እቲ ዝጓነፈኒ ኣብ ሰጋር ስምዒት ተወጢሑ ዝጋልብ ጥራይ ኰይኑ። ክንፍታቱ እተሰብረ ጽሑፍ ንሰባት ኣጐራቢቱ ኽበርር ክፍትን ምስ ረኣኽዎ፣ ንድሕነት እቶም ዝጓራበቱ ኽብል ንኽጽሕፍ ርሳሰይ ኣልዒለ። ጥር ኢልካ መነጸር ከይኮነኒ ግን ብብርዒ ኽጅምር ኣይመረጽኩን። ብርሳስ ጀሚረ። እቲ ደረጃ፡ ቀስ ብቐስ ብመሳልል ክበጽሖ መሪጸ ኣለኹ። ንነብሰይ ሓዊሰ፣ ኢደይ ዘይህቦ እምበር ኢደይ ዘየመልክተሉ የልቦን። ዝነቕፎ እንተ ዘይኰይኑ ዝውድሶ ክንደየናይ ከይህሉ። ጀማሪ ብሙዃነይ፡ ጽሑፈይ ኣቓልቦ ከይንፈጎ ስግኣት የብለይን። ከም ለበዋ፣ ገለ ስለ ዘይሰኣኖ ሸለል እንተ ዘይበልኩምዎ ይሓይሽ ኣይብልን። ከም ሕርያኹም ግበሩ እብል። ኣብ ጽሑፈይ ምጕት እምበር ጸርፊ እንተ ረኺብኩም ግን ተቐላጢፍኩም ርሳሰይ መንጡሉኒ።
ኣርዑት መግዛእቲ ይኹን ሕቑፎ ነጻነት ከም ዘይከኣልናዮ ኣብ ባይታ ዝነበረን ዘሎን ሓቂ እዩ። ካብኡ ናብኡ ግን ብዘይሕብእብእ ናብራን ምንብባርን ነጻነት ኣይተኻእለን። ኣብዚ ናይ ነጻነት ዓመታት፣ ካብ ንምስሊ ነጻነት ንምስሊ መግዛእቲ ኸነንጸባርቕ እተጓዓዝናዮ ስለ ዝነውሕ፡ ኣርዑት መግዛእቲ ገና ኣብ ዝባንና ኸይህሉ ዘጠራጥር እዩ ንምባል የድፍር። ባህሪ መባእስትኻ እውን ስለ ዝጸሉ፡ ኣሰራቱ ቐልጢፉ ዘይክሃስስን ጽልዋ ዘይክሰኣኖን ይኽእል ይኸውን። ግዳ እምብዛ ኸፊኡ። እምብዛ እውን ብኢሱ። ነቲ ድከትና ዘስተየና መግዛእቲ ኸም ዘይንፈልጦ ብዋጋ ነጻነት እውን ደጊምና ኸነስተማቕሮ፣ ብግዜን ንዋትን ዋጋ ኽንከፍለሉ ንግደድ ዘሎና ንመስል። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ እዚ እንዕዘቦ ዘሎና ሕምስምስ የንጠቕጥቐና ኣሎ ምባል ይከኣል።
ደለይቲ ሓርነት፣ ደለይቲ ነጻነት ምዃንና ስለ እንዛረብሲ፣ ‘ሓርነት ወይ ነጻነት እንታይ እዩ ትርጉሞም፧’ ኢልና ንነብስና ኽንሓትት እመርጽ። ንዘበገስናዮ ሕቶ እውን፡ ኣዕጋቢ ዝበልናዮ መልሲ ኸነዳልወሉ ምደለኹ። እንህቦ መልሲ፣ ‘ሓራ ምዃን’ ወይ ‘ነጻ ምዃን’ ዝብል ክኸውን ይኽእል። ‘ካብ ምንታይ እዩ ግን ሓራ ወይ ነጻ ምዃን፧’ ኢልና ተወሳኺ ሕቶ ኸነበግስ እንተ ኽኢልና ድማ ኣይጽላእን። ካብ መግዛእቲ ዝብል መልሲ ኣብ ቀረባ ኣይሰኣንን ይኸውን። ግዳ ‘ካብቲ ኣብ እስሪ ቤት ዘብሊ፣ ብሓለንጊ ዝገርፍ፣ ብበትሪ ዝድስቕ፣ ብብረት እውን ዘህልቕ መግዛእቲዶ፧ ወይስ ካብ ነጻነት፧ ኣዛራቢ ኰይኑ ይስመዓኒ። ‘ነጻነት፣ ካብ መግዛእቲ ዝኸበደ ኣርዑት ከም ዘለዎስ ሓሲብናሉ ዶኾን ንፈልጥ ንኸውን፧’ ኢለ ወርትግ ኣብ ቁራዕ ውሽጠይ፡ ኣብ ጕልሻ ሓሳብ ምስ ተሰኽተትኩ እየ።
ንትርጉም ነጻነት ግለጹ እንተ ንበሃልስ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተኣንፈተ ‘ነጻ ምዃን’ ዝብል መልሲ ምሃብ ዘይተርፍ እመስለኒ። መልስና ኸ ኣኻሊዶ ይኸውን? ነጻነት ዘሰክመና ሓላፍነት ንፈልጦዶ ንኸውን? ኣዕምቝ ኣቢልና እንተ ርኢናዮ፣ እቲ ‘ነጻ ምዃን’ ካብ ምንታይ ምዃኑ ከነብርህ ተወሳኺ ሕቶ እንተ ስዒቡስ፡ ካብ ምንታይ ክንብል ከም እንኽእል ምሓርበተና ኢለ እሓስብ። ‘ነጻነትሲ ካብ መግዛእቲ ብምንታይ ይፍለ? ደረት መግዛእትን ነጻነትን ኣበይ ይኸውን? ነጻነት ሰንደቕ ዓላማ ኣብ ዘንጊ ምስቃል ጥራይ ዲዩ?’ እናበልኩ ዘሰላሰልክዎ ሓሳብ ወዲአ፣ ንኣካላዊ ዕረፍቲ ኣብ ንእዲ ክግምሰስ እንከለኹ፣ ነቲ ኣቐዲመ ዝሃብክዎ ትርጕም ነጻነት ዘፍርስ ሓድሽ ሓሳብ መጺኡ ንዕረፍተይ ኣሳጒጉዎ ሓዲሩ። ነጻነትን ትርጕሙን ክደሊ እንከለኹ ድማ ምስ መግዛእቲ ፊት ንፊት ተጋጢመ። ክልቲኦም ሓደ ኰይኖም ረኺበዮም። ብዘይቀልዓለም፡ ስማዊ እንተዘይኰይኑ ፍልልይ ዝበሃል ኣይረኸብኩሎምን። እቲ ነጻነት ዝመስለና ንባዕሉ መግዛእቲ ምዃኑ ኣስተውዒለ። ካብ ጸቕጢ ሓይሊ መግዛእቲ፣ ጸቕጢ መግዛእቲ ነጻነት ከም ዝሕይል ተጋሂዱለይ ክብል እኽእል። ነጻነተይ ኣብ ዕዳጋ ኣውሪደ፣ ኣብ ርሱን ክርክር ተጸሚደ ለይቲ ምሉእ ኣብ መግዛእቲ ሓሳብ ኣውጊሐዮ። እቲ ሓሳብ ቀትሪ ውን ኣይገደፈንን። ኣብ መወዳእታ ግን ሓደ መደምደምታ ረኺበሉ። ካብ መግዛእቲ ሓሳብ ውን ነጻነተይ ኣዊጀ ክብል እኽእል። ‘ነጻነትስ እምበኣር ብኣፈሙዝ ብረት ዘይትቃለሶ ዝሓየለ ረቂቕ መግዛእቲ እዩ።’ ድማ ኢለ።
ከም ሓቂ፣ ኣዕሚቝ ንዝምርምሮም፡ መግዛእትን ነጻነትን ክልተ ገጽ ናይ ሓደ ሳንቲም እዮም። ዘለዎም ፍልልይ መፍትሕ መግዛእቲ ኣብ ኢድ ካልኦት ክኸውን እንከሎ መፍትሕ ነጻነት ግን ኣብ ኢድና ምዃኑ ጥራይ። ነጻ ኣዘራርባ ማለት ዝተሰመዓካ ወይ ቃሕ ዝበለካ ብነጻ ምግላጽ፣ ነጻ ኣተሓሳስባን ከም ዝሓሰብካዮ ምኻድን፣ ነጻ ኣረኣእያ፣ ነጻ ኣካይዳ፣ ነጻ ምንቅስቓስ፣ ነጻ ዕዳጋ፣ ነጻ ኣምልኾ፣ ነጻ ….. ነጻ …. መወዳእታ ዘይብሉ ነጻነት ኣበይ ምስ ተረኽበ እምበር መን ክጸልኦ ኢሉ። ግዳ ክንፈቱ ክንጸልእ እቲ ነጻነት ዝመስለና ብልክዕ መግዛእቲ እዩ። ገዛእትን ተገዛእትን ድማ ብገዛእ ርእስና ኢና። ነጻነት፣ ተገዛእቲ ናይቲ እነኣምነሉ ዕላማ ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ትርጕም የብሉን። ዕላማና ንኹሉ ዘርብሕ ወይ ዘየርብሕ ክኸውን ይኽእል። ኩሉ ኣብቲ እንኣምነሉ ዕላማ ክሕቈፍ ከም ዘይክእል ክሳብ ዘይተገንዘብና፣ ከምዚ ኣብ ባይታ ዘሎ ተርእዮ መግዛእቲ ነጻነት ተቘጻጺሩና ከይሃለወ ኣይተርፍን። ከም ድላይካ ሓሱ፡ ከም ድላይካ ኣጸልም፡ ከም ድላይካ ክተር፡ ከም ድላይካ መንዝዕ፡ ከም ድላይካ ርገጽ፡ ከም ድላይካ ገብት፡ ሕልናኻ ቀቲልካ ሰብ ሽጥ ለውጥ፡ ሕረድ፡ ቅተል ካብ ዝብል እኩይ መንፈስ ዝኸፍእ መግዛእቲ ኣበይ ከይህሉ?
ነጻነት ብዘስረጸልና ጌጋ ስእሊ ዝተጐዓዝናን እንጐዓዝን ውሑዳት ኢና ኣይብልን። ‘ባህሊ ምክብባርን ተጻዋርነትን ክሳብ ዘይተሃነጹ ብርሃን ነጻነት ኣሎ እንተ በልና፣ ንነብስና ምዕሻው እዩ።’ ኢለ ምስ ካልእ ዘይኰነ ምስ ነፍሰይ እሰማማዕ። ምንጪ ግርጭታትና፣ ነጻነት፣ እቲ ዝዓበየ መግዛእቲ ምዃኑ ካብ ዘይምርዳእ ዝብገሱ ኰይኖም እስምዑኒ። ብመንጽር ዝነበሩና ትጽቢታት፣ ንዘጋጥሙና ዘለዉ ክስተታት ከነነጻጽሮም ብምፍታን ኣብ ረጽሚ ንኣቱ ምህላውና ንስሕቶ ኣይብልን። ኣርዑት ነጻነት ግርጭታት ንዘይምህላው ዘይኰነ ንዝተኸስቱ ግርጭታት ብጥበብ ምፍተሖም ዝእዝዝ እመስለኒ። ምትፍናን የወግድ ንፍልልያት ድማ ብጥበብ የጽብብ። ነጻነት ካብ መግዛእቲ ዝኸበደ ዝገብሮ እዚን ከምዝን ስለ ዝጠልብ እዩ። መግዛእቲ ነጻነት፣ ‘ከም ድላይካ ኹን፣ ካብ ተሓታትነት ግን ኣይትህደም። ብጉልባብ ነጻነት ንድንቁርናን ስምዒትን ኣየእንግድን እየ። ንጸቢብ ኣረኣእያኻ ኣስፍሓዮ።’ በሃላይ ምዃኑ እኣምን። እቲ ዝዓበየ መቋጻጸሪ ማእከል ድማ ኣብ ሕልና ዝተደኰነ ምዃኑ እግንዘብ። ስለ ዝዀነ፣ ‘ሓላፍነት ነፍሱ ዘይተሰከመ ሓላፍነት ህዝቢን ሃገርን ክስከም ይኽእልዶ?’ ኢለ ንሕልናይ ብሕቶ ምስ ኣዋጠርክዎ፣ መልሲ ካብ ምሃብ ክሃድም ገጢሙኒ። እቲ ህድማ ንባዕሉ መልሲ ምዃኑ ድማ ኣስተውዒለ። ነጻነትስ እምበኣር ካብቲ ንኽትዕንድረሉ ዝፈቕደልካ ጐልጐል ዘዳልወልካ ልጓም ይተርር። ንነጻነት ካልኦት ብዘይትንክፍ መገዲ ንኽትሃልል ድማ ይፈቅድ። እዚ እቲ ናይ ከቢድ ዝኸበደን ዝለዓለ ጥበብ ዝጠልብን ኰይኑ እስመዓኒ።
ጸቢብ ኣረኣእያ ካብ ዝፈጥሮ ጸቢብ ዓንኬል፣ ናብ ኣድማስ እትው ኢልና ምሕሳብ እንተ ጀሚርናስ መቐረት ዘለዎ ናብራን ውሑስ መጻእን ኣይሰኣንን። እቲ ነጻነት ዝፈቕደልና ነጻነት ውን ብዕጽፊታት እንተ ዘይሰፊሑስ ኣይጸብብን። ካብቶም ናብ ኣእምሮና ዝመላለሱ እሞ ዝገዝኡና ትርከምርኪ ወጻኢ፣ ሓደስቲ ኣምራት ንላለ፣ ሓደስቲ ሕልምታት ንሓልም፣ ሓደስቲ ትልምታት ውን ንትልም። ደረት ጸቢብ ዓንኬል ኣፍሪስና፣ ንሰኪዐት ማሕለኻ ጸቢብ ዓንኬል እንተስ ብጥበብ እንተስ ብሓይሊ ፍልጠት ክንፍንጽጎ ወይ ክንብጥሶን ክንበትኮን እንተኽኢልናስ ኣድማስ ብኸመይ ከም ዝሓቑፈና እኳ ምጠፍኦ። ነቶም ኣብ ጸቢብ ዓንኬል ዘለዉ ሰብ ዝሰርሖም ሓቅታት ብኣድማሳዊያንን ባህርያውያንን ሓቅታት ምስ ተካእናዮም መቐረት ሂወት ኣብኡ እንረኽቦ ኰይኑ እስመዓኒ። ምትኹዃብ ጸቢብ ዓንኬል ንጸቢብ ዓንኬል ንሓዋሩ ኣብ ጸቢብ ዓንኬል ከም ዘንብር ምግንዛቡ ዘድሊ እመስለኒ። ብዓቢኡ ውን ጸቢብ ዓንኬል፣ ልዕሊ እቲ ንሕና እንውንኖ ሓይሊ ስለ ዝውንን ክንሕይል እንተ ዘይክኢልና ብቐሊሉ ሰዳዲ ኣይኰነን። ኣብቲ እሾኽ ዝዀነ ሕቚፎኡ ኣእማኒ ብዝዀነ ጥበቡ ከም ነዕይም ካብ ምግባር ስራሕ ኣይክፈትሕን እዩ።
ፍልስፍና ንቕሓት ከነዕቢ ዝተወሃብናዮ ተፈጥሮኣዊ ሓይሊ ፈቲሽናዮ ኢና ኣይብልን። ኪኖ እቲ ዘሎ ክንሓስብ ኣይከኣልናን። ከነድነቕን ክንድነቕን እንተ ተበጊስናስ ቁልዒ ፍልስፍና ወሊዕና ኣሎና ማለት እዩ። ስለ ዝተወለዐ ግን መወዳእታ ኣይኰነን። ንከይጠፍእ ተኸናኺንና ከነጒህሮ ወፍሪ የድልየና። እንታይ? ስለምንታይ? ኣበይ? ከመይ? መን? ናበይ? እናበልካ በዞም ሕቶታት እዚኣቶምን መሰልቶምን ንኸባላዓና ዘይኰነ ንኸማሙቐና ምንብድባድ መድለዮ። ነዚ ገዲፍና ኣብ ጭቃ ቀንጠመንጢ ምስውስው እንተ በልና ግን ኣብ ዝበለዩ ፍልስፍናታት ብዂርኳሕን ባልዕን ክንሳቐ ምርጫና ብምዃኑ፡ ነቲ ዝስመዓና ቀጨውጨው ከም ጽሕፍቶ ክንቀበሎ ግዴታ እዩ ክብል እደፍር። እዞም ዝቕዩዱና ዘለዉ ዝበለዩ ፍልስፍናታት ከማና ሰብ ዘስረጾም እዮም። ንሕና ውን ካብ ናቶም ብዘይሰንፍ ብናይ ገዛእ ርእስና ፍልስፍና ክንትከኦምን ፍልስፍናና ከነስርጽን ከቢድ ኣኰነን። ኣብቲ ናታቶም ደረጃ ወሪድና ንእሾኽ ብእሾኽ እንተ ዀይኑ ግን እቲ ናብራ ለውጢ የብሉን። እቲ እንደልዮ ለውጢ ንኽመጽእ ብቐዳምነት ኣተሓሳስባናን ኣረኣእያናን ክልወጥ መድረኻዊ ጠለብ ኰይኑ ይረኣየኒ።
Discussion about this post