“እዚ ጠኒሰዮ ዘለኹ ሓሳብ ንኽንበብ ድየ ኽጽሕፎ? ዘንበቦኸ እንታይ’ዩ ኽብለኒ? ምስ ዕብዳንዶ ምስ ስኽራን ይምዝገበለይ ይኸውን?” ንነብሰይ ብሕቶታት ኣዋጠርክዋ።
“ምዃን ዘይብቐደሙስ ዕቡድን ብዕቡድን እየ ዝፍለጥ። መን ጥዑይ ምስ በለኒ’የ? ሰብ ዝበለ ይበል ባዕሉ ይፈልጥ። ሰብ ናይ ቀደሙ ኣነ ናይ ቀደመይ። ኮኾብና ተጋጢሙ ኣይፈልጥን’ዩ። ኣብ ሎሚ በጺሑዶ ደኣ ተጋጢሙ? ዘይከውን።” አዋደቕክዎ።
“ንምንታ’የኸ ዘዕጠጢ ዘለኹ? እንታይ ዘማትእ ኣሎኒ? ከከም ዝነበርናዮ ደኣ። ንባዕለይ እምበር ንሰብ ኢለ ይጽሕፎ የለኹን። ዘይንኽወጸለይ’የ። ከሕጕሶ ኢለ ኣይኰንኩን ዝጽሕፎ። ከሕጉሰኒ ኢሉ’ውን ኣይኰነን ዘንብቦ። ኩሉ ዝተጻሕፈ ክንበብ ኣለዎ ዝብል እምነት ዘለዎ ከኣ ደሓን። ግዳይ ይኸውን። ዘይከም ዝመጸለይ’የ ዝጽሕፎ ዘለኹ። ከም ድላየይ ይገብር ስለ ዘለኹ ኣንባቢ ከም ድላዩ ይግበር። ምንባብን ዘይምንባብን እቲ ምርጫ ንዕኡ ገዲፈሉ ኣለኹ። ሰብ ናጽነት ከመሃር ኣለዎ።” ንነብሰይ ሓይሊ ወሰኽኩላ።
ምጽሓፍ ጀመርኩ።
“ከም ሓልዮት፡ ንባብ ንዝጀመረ ከቋርጽ እምሕጸኖ። ካብ ምሕጽንታ ሓሊፈ ከገድዶ ኣይደልን። ምግዳድን ምስግዳድን ይጽለኣኒ። ከም ድላዩ ይግበር። ከምዚ ንናጽነተይ ተጠቒመሉ ዘለኹ ንናጽነቱ ልቡ ከም ዝኣዘዞ ይጠቐመሉ እየ ዝብል። ኣብ ውሽጠይ ሕርኽርኽ ዝብሉኒ ሰሓ ኣተሓሳስባታት፡ እምነታት፡ ባህልታት፡ ልምድታት እየ ዝተፍእ ዘለኹ። ካብ ኣእምሮይ፡ ካብ መትንታተይ፡ ካብ ልበይ፡ ካብ ከርሰይ እየ ዘውጸኦም ዘለኹ። ውሽጠይ ንኸንጽህ ዘካይዶ ዘለኹ ናይ ምሕጻብ መስርሕ’ዩ። ልዕሊ እዚ ዕላማ የብሉን። ብሽብጢ ምስትንታን ዓቕሎም ዝጸበቦም፡ ደገል መገል ቡሕቡሕ ምባሎም ኣይተርፍን። መርዛማት ክዀኑ ይኽእሉ እዮም። ብርግጽ ከኣ መርዛማት እዮም። ካብ ውሽጠይ ወጺኦም ኣብ ውሽጢ ካልኦት ብዝፈጥርዎ ብከላዊ ሕማም ወይ ዕንወት ተሓታቲ ኣይኰንኩን።” ኣብ መቕድም መጽሓፈይ ዘቐመጥክዎ ነበረ።
ዕግርግር በለኒ። ርእሰይ ጽሩር ክብለንን ክሰሓግን ጀመርኩ። ብኡ ንብኡ ሃለዋተይ ናብ ዘይቈጻጸረሉ ደረጃ’የ ወዲቐ። ድሕሪ’ዚ እንታይ ከም ዝገበርኩን ከም ዝበልኩን ዝፈልጦ ኣይነበረንን።
*****
“ፖለቲካዊ ፍልስፍና ንማሕበራዊ ፍልስፍና ኸም ዘዕነዎ መነጸረይ ኣጒልሑ የርእየኒ ኣሎ። ባህርያት ውልቀ መላኺ፡ ምልካዊ ባህሪ ውልቀ ሰባት ንኽስስን እምነ-መሰረት ከም ዘንበረ ዝነጸረ ይመስል። ቊንቊኛ እዚ ዘመን ብዙሕ እዩ። ተመላኺ ኣብ ዘይብሉ መላኺ በዚሑ። ዒብ ዝተደብየሉ ገንጋን መዋእል። ካብ ‘ቆጽሊ ነውድቐሉ ክመርሓና’ ዝብሉ፡ ‘ቆጽሊ ኣውድቑለይ ክመርሓኩም’ ዝብሉ ዝበርከቱሉ ዘመን’ዩ። ካብ ‘እገለ ይርሓሰና’ ኢሉ ዝጥቁም ‘ክርሕሰኩም’የ’ እናበለ ባዕሉ ንነብሱ ዝጥቁም ይበዝሕ። ‘ኣነ እሓይሽ’ እምበር ‘እገለ ካባይ ይሓይሽ’ ዝብል ተሳኢኑ። “መራሒ ከይበዝሕ እባ ንጠንቀቕ” ዝብል ዘረባ ደራሲ በየነ ሃይለ ከምዚ ንኸየጋጥምዶ ነይሩ ይኸውን? ልክዕ ከይኰነ ኣይተርፍን። እዚ ዘመን፡ ዘመነ ውራውራ ምዃኑ እነሆ የመስክር። ሰዓቱ ስለዝኣኸለ ኩሉ መራሒ ክኸውን ይሸባሸብ ኣሎ። መኽፈልቲ ቀለም ዘይገብሮ የብሉን። ንምሳሕ ልቦና ክቐብሮ ይደናደን ኣሎ። ኣጀንዳ ዘይብሉ ደረቕ መደረታት ካበየ መኣዝኑ ኣብ ምውሓዝ ይርከብ። መራሒ ምስ በዝሐ ከኣ ተመራሒ ተሳኢኑ።
“መራሒ ወይ ተመራሒ ብዘይምዃነይ ነጻ’የ። ኣብቶም ኣብ ቀሸም ወዲ ቀሸም ስምዒታት ተሰኽቲቶም ፈኸም ዝብሉ ዘለዉ ዛዕባታት ኢደይ ንዘይምእታው ዝወሰንኩ ይመስለኒ። ካልእ ዘይኰኑ፡ ጐስዒ ድኽነት ኣተሓሳስባታት እዮም። ነጸብራቕ ዝሕታለ ኣእምሮ’ውን እዮም። ካብ ዓይኒ ዓቕሊ ጽበት ዝፍልፍሉ ከኣ ኣለውዎም። ንርሑቕ ዘየማዕደዉ፡ ጸኒሖም ዘጣዕሱ፡ ዕምሪ ዘይብሎም ሃልሃልታ ስምዒታት ምዃኖም እፈልጥ እየ። ዓቃባዊ የብለኒ ይኸውን። ግዳ ክዕቀብ ዝደልዮ ነገር የብለይን። ክጐሓፍ ዝደልዮ’ውን የብለይን። እንታይን ናይ መንን ኢለ ኽጒሕፍ? ናተይ የኽእለኒ። ኣብ ኢደይ ዘሎ ኣይጐሓፍኩን ዘለኹ። ኣየርከብኩን። ምስ የማናውያን ይዅኑ ጸጋማውያን ምስ ኲሎም የለኹን። ከመይ ኢለ ክህሉ! ንሳቶምከ እንታይ ኣበስቲ እዮም? ካብ ሓድሕድ ዘይሓይሽ ዝርግራግ ኣውታር ቅኒቱ ኣይሰሓበንን። ላዛ ምስ ሰኣንኩሎም ቅኒተይ ክደሊ’የ ተበጊሰ። ናጽነት ክላመዶን ከስተማቐሮን ዝወሰድክዎ ስጒምቲ’ዩ። ነጻ ንምዃን ዝኽተሎ በይናዊ መገዲ! ካብ ርኳን ስብከታት ንምርሓቕ’የ ዝቃለስ። ወግሐ ጸብሐ ዝደጋገም ቅያር ዘይብሉ መዝሙር ጸሊአዮ። እናተታለልካ ከተታልል ምንባር ምውሓጥ ኣብዩኒ። ብነብሰ-ምዕሻው ከይተመለኽኩ፡ ኣይጻወት ኣይማወት ኣብ ዝበልኩሉ መን ኣሎ ከገድደኒ ዝፍትን! ግዳ እቶም ከማይ ናጽነትን ሓርነትን ኣብ ምእላሽ ዘለዉ’ውን ናጽነትን ሓርነትን ከም ዝነፍጉ ተዓዚበ ኣለኹ። ቀይድታት የብዝሕ። ኵሉ ክመልኽ’ዩ ዝህንደድ።
“ብተደጋጋሚ ከም ዝብሎ፡ ካብ ዓዘቕቲ ስምዒታት ወጺእካ ምንባር ኣይጸልእን። ንዝበለየ መድረኽ ጠንጢነ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሰይ መድረኽ ክዋሳእን ክዕዘብን እመርጽ። ፍረ ድማ እረኽበሉ። ስሒቐ ዘይፈልጥ እስሕቕ። ኣብ ዝደረስክዎ ተዋስኦ እዋሳእ። ረኣየለይ፡ ኣድንቐለይ፡ ስምዓለይ፡ መስክረለይ፡ ንገረለይ ዝብሎ የብለይን። ተዓዘብቲ ወይ ሰዓብቲ ክህልዉኒ ኣይደልን። ጸላኢና ሰዓብን ተሰዓብን ይኹን። ኣነን ህልውናይን ኢና። ኣብ በይነይ ሕብራዊ ሰሓቕ ምስ መቓልሑ እስሕቕ። ባዕለይ ተዓዛቢኡ ባዕለይ ተዋሳኢኡ። እፋጽን አጣቕዕን ድማ። ንሕብራዊት ዓለመይ ሕብሪ እውስኸላ። ትደምቀለይ። ‘ይደገም! ይደገም! ቢስ! ቢስ!’ እናበልኩ ብዓውታ እጭድር። ሓርነት ከምኡ እዩ ዝእዝዝ። እቲ ንኻልኦት ዕብዳን ዝመስሎም ንኣይ መቐረት ኣለዎ። ናጽነት፡ ከም ድልየትካ፡ ከም ቃሕታኻ፡ ከም ሕልምኻ ንበር’ዩ ዝብል። ንዝተሰብሩ ክንፍታተይ ጸጊነ ናጽነተይ ክዕቅብ እሕልን። ነቶም ብባህሪ እተዓደልክዎም ግን ከኣ ብሃሜናውያን ዝሰኣንክዎም መሰረታውያን ክብርታት ሰብኣውነት ኣብ ምድላይ’የ ዘለኹ። እቲ ምስጢር ንነብስኻ ክትመልኽን ክትመስልን ምኽኣል’ዩ። ንዕሩቕ ኣተሓሳስባታት ጕሒፈ ምስ ባህርያዊ ሓቂ ንምትሕቑቛፍ እጋደል። ብሕልኮዶ ብሕንቆ ኣየገድስን። እወድቕዶ የውድቕ መምዘኒየይ ኣይብሎን። ምውዳቕ ዘይብሉ ጒዕዞ ክገጥመኒ ኣይጽበን። ኣብ ኳና ኣተሓሳስባታት ዓሪዶም ብስምዒት ንዘንበድብድዎም ጕዳያት ንኽጽየኖም ዝተዓደለኒ ትብዓት ኣብ መዓላኡ ንምውዓል’የ ዝጽዕት። ንጽኑዕ እምነተይ ክፈታተንዎ እንከለዉ ኣቓልቦ እነፍገሎም።
“ወርቃዊ ንእስነተይ ንወርቃዊ ኣተሓሳስባ ኸወፍዮ እደሊ። ድሌተይ ንምዃን እፍትን። ናጽነት ዝናፍቕ ነጻ ፍጡር’የ። መቓልሕ ካብ ምዃን ድምጺ ምዃን እሓሪ። ከም መቓልሕ ንድምጸይ ዝደግም ኣይዕድምን። ነቶም ብዘይካ ናቶም ሓቂ፡ ሓቂ ከም ዘየሎ ዝሰብኩኒ የቐንየለይ እብሎም። ብምስሩሕ ሓቅታት ንዘጽምሙኒ ንኸይደኽሙ መልእኽተይ አመሓላልፍ። ጐሮሮኦም እንተዘይላሕተተን ኣፎም እንተዘይደመየን እመርጸሎም። ኩሉ ናብ ሸሓኒታት ኣእዛነይ ዘምርሕ ማዕበል ድምጽታት ዝስከሞ ሓቂ ከም ዘይብሉ ኣረጋጊጸ’የ። ሓንካስ ዘበገሶ ወረ ፈረሰኛ ኣብ ዘይመልሶ መዋእል ምህላወይ ኣይዝንግዕን። ደድሕሪ ዝነፈሰ ንፋስ ንዘይምጒያይ’ዩ ንቕሎይ። መማሃራን ምስ ኣብዛሕኩ ልዕሊ ዝዀነ እዋን ንድንቁርናይ ኣጸቢቐ ክላለዮ በቒዐ ኣለኹ። ስብከት መማህራነይ ጥራይ ክኽተል ምጽንሐይ ገሪሙኒ። ክንድዚ ዝኣክል ገዚፍ ድንቁርና ከም ዝውንን ይፈልጥ ኣይነበርኩን። ድንቁርና፡ ዘይከምቲ ካልኦት ብጸላም ዝውክልዎ ወይ ዝገልጽዎ ብብርሃን ክውክሎ እመርጽ። ናጽነት ዝባረኸለይ መሰል’ዩ። ምስሊ ድንቁርናኦም ዘይኰነስ ምስሊ ድንቁርናይ ኣጕሊሖም ንዘርኣዩኒ ኩሎም ካብ ልቢ አመስግኖም።
“ዘደናግርን ዝደናገርን ክህሉ ኣይደልን። ኩሉ ብርሃን እየ ዝብል፡ ባህሪ ብርሃን የብሉን። ብርሃን ተለቂሑ ብርሃን እየ ንዝብል ብኸመይ ትኣምኖ? እሞ ኸኣ ኣብዚ ዘመናዊ ዘመን! ጸላም ግን ዝቀያየር ባህሪ ኣይተዓደለን። ዘመናውነት ኣይብጽሖን’ዩ። ከም ዝነበሮ’ዩ ዘሎ። ዝነበረ’ምበር ዘተኣታተኽዎ ሓድሽ ስነ-ሓሳብ የብለይን። ነቲ ኣብ ትርጉም ዝጠፍአ መንነት ሃሰው እብሎ። ብጻህያይ ኣተሓሳስባታት ንዝተበልዐ ክብሪ ሰብኣውነት እሓመሉ። ብፍላጥ ዲዮም ብዘይፍላጥ ነቲ መሰረታዊ ሓርነት ዝጨወይዎ ክለፋለፉ ክርእዮም እብህግ። ፍትሒ ዝጓዕጸጹ ኣብ ቅድሚ ፍትሒ ክሰግዱ እሃርፍ። ንዝተበደሉ ከተባብዕ፡ ንዝሓዘኑ ከጸናንዕ እፍትን። ደም ገንሸል ኣንቂዐ ብኡሳት ክዓርቕ እሕልን። ኣብ መቓብር ንጹሃን ዕምባባ ኣንቢረ፡ ኣብ ጥርዚ እቶም ናይ ኲናት ሓወልትታት ሽንቲ ማየይ ክኹዑ እረኣየኒ። ብዘይከፈልዎ ሂወት ዝሕበኑ፡ ከም ብዕልግና ብዝገልጽዎ ተግባራተይ ደሞም ክፈልሕ ይሰኣለኒ። ‘ትዕቢተኛ’ እናበሉ እንክዝልፉኒ ንትዕቢቶም ብትሕትና እድብሶ። እስሕቕ ድማ። ሕብራዊ ሰሓቕ እስሕቕ! ኣብ ከምዚ ዘይሰሓቕኩ እሞ ኣበይ ክስሕቕ? ኣእላፍ ንጹሃን ንዝበለዐ ኲናት ፍትሓውነቱ ንምምስካር ዝትከል ሓወልቲ መርኣያ ዕሽነት ጥራይ’ዩ። ብዝዀነ ይዂን መለክዒ፡ ኲናት ፍትሓዊ ኰይኑ ኣይፈልጥን። ንኽንደይ ተስፋታት’ዩ ዘጸልምት።
“መኣዝን ጽሑፈይ ዝጠፍኦም ኣይሰኣኑን። ንመን ንምህራም’ዩ ዝብሉ ይህልዉ’ዮም። ንሰሜን ዲዩ ንደቡብ፡ ንምብራቕ ወይስ ምዕራብ በሃልቲ ከይሃለዉ ኣይተርፉን። መን ንመን ዘገድሶም ይበዝሑ። እንታይን ስለምታይን ዝብሉ ውሑዳት እዮም። ብትሑት ዓቕሞም እውን ይዂን ኣይትመራመሩ ኣይብሎምን። ካብ ድሌታቶም ከታርፎም ኣይደልን። መኣዝኑ ከለልዩ ይሕሰቡን ይመርምሩን። ካብ መኣዝን ጽሑፈይ ግን መኣዝኖም ክፈልጡ እላበዎም። ናጽነት መልክዕ’ምበር ቀይዲ የብሉን። መልክዕ ናጽነተይ እየ ዘርኢ ዘለኹ። ሓሳባተይ እየ ብነጻ ዝገልጽ ዘለኹ። ንሰሜን ወይ ደቡብ ከወጣውጥ ኢለ ኣይተበገስኩን። ንምብራቕን ምዕራብን ውን ከምኡ። ተቐማጦ ሰሜናዊ ዋልታ፡ ደቡባዊ ዋልታ ይኹኑ ቅናት ምድሪ ፍልልይ ኣይረኽበሎምን። ኩሎም ሓደ እዮም። ሰብን ደቂ ሰብን እዮም። ፍልልዮም ኣብ ዝርገሐ ናይዛ ዝነብሩላ ዓለም ጥራይ’ዩ። ኣለባብሳኦም ኩነታት ኣየር ከም ዝድርኾ እኣምን። ሕብሪ ቆርበቶም ጻዕቂ ባህርያዊ ብርሃን ዝፈጠሮ ምዃኑ እድምድም። ኣነባብራኦም ዓቕሚ ጥበቦም ከም ዝጸልዎ ኣይክሕድን። ስንክልና ኣተሓሳስባታቶምን ኣረኣእያታቶምን ግን ክሓብኣሎም ኣይደልን። ግብዝና ይመልኮም’ዩ።
“ንስንኩል ሕልና ዜሮ ተጻዋርነት’ዩ ዘሎኒ።። ብሸለል ክሓልፎ ኣይመርጽን። ነቶም ካብ መግዛእቲ ዝተገላገሉ ዝመስሎም ኣብ መግዛእቲ ይነብሩ ከም ዘለዉ አፍእመሎም። ነቶም ኣብ ዕርዲ ፍርሒ ዝተዓቚቡ ልግዐ ትብዓት ክቐምሱ እላበዎም። ብገበታ ጥርጣረታት ንዝተኸቡ ንዘለዎም ጥርጣረታት ዘምክን ንፋስ ሓቂ ክነግዶም ሃረርታይ’ዩ። ነቶም ኣብ ማሕዩር ገዛእ ርእሶም ዝርከቡ ምሉእ ናጽነት እምነየሎም። ኣጕልን መራትን ኣተሓሳስባታቶም ኣብ ሓደ ጋህሲ ክደብዮ ኣይጸልእን። ነጻ ምዃኖም ዘበስር ሓይሊ ንመንፈሶም ወሪሩ ኽቈጻጸሮ እብህግ። ነቶም ንነብሶም ከይመለኹ ንኻልኦት ክመልኩ ዝህቅኑ፡ ነቶም ንነብሶም ከይመርሑ ንሰብ ክመርሑ ዝህንደዱ ንነብሶም መሊኾም ክመጹ እምሕጸኖም። ነቶም ዝተፋነኑ ወገናተይ፡ የማን ዓይኒ ጸጋም ዓይኒ ምዃኖም አዘኻኽሮም። ‘ገለጽቲ ሓሳባትኩምን ስምዒታትኩምን ኣይኰንኩምን’ እብሎም። ወሰንቲ ትልምታትኩም ኣይኰንኩምን እደግመሎም። ደረስቲ ውልቃዊ ባህርያቶም ከም ዘይኰኑ እገልጸሎም። ሂወትኩም ብምልእታ ልቓሕ’ያ እብሎም። ኣብ ሕቑፎ ባርነት ምህላዎም አግህደሎም። ንትበሃልዎ እምበር ንእትብልዎ ጽን ክትብሉን ክትበሃሉን ኣይተዓደልኩምን እውስኸሎም። ‘ዕድመኹም ምሉእ ደገምቲ ሓደ መዝሙር ኣይትኹኑ፡ ሓድሽ መዝሙር ሃሰው በሉ’ ዘባህለኒ ምደለኹ። ከይዛረብ ንዝተለጕመ ልሳኖም ዝፈትሕ ተቓላሲ ልዕሊኦም ክህሉ ከም ዘይክእል አዘኻኽሮም።
“ኵሉ እቲ ዝበሃል ከይመመዩን ከይፈለዩን ክሕዝዎ እዕዘቦም እየ። ክሃስዮም ዲዩ ክጠቕሞም ግዜ ከርእየኒ እጽበ። ሓንሳብ ገልዒ ሓንሳብ መጽሓሪ ሓዊ ይዀኑ ምህላዎም ክሳዕ ዘይተሰወጦም እናተቓጸሉ ይቐጽሉ እየ ዝብሎም። ሓሙዅሽቲ ኰይኖም ምስ ሓመድ ክሳዕ ዝዳወሱ ወይ ብንፋስ ተጸይሮም ኣብ ጠፈር ክሳዕ ዝብተኑ ይቐጽሉ። እቲ ንዓኣቶም ዘይስመዖም ረስኒ ክስመዓኒ ምኽኣሉ ኣይግረምን። ብጽሒት ዕሽነተይ ምዃኑ ኣይጐስዮን። በዚ ሎሚ ክብረቱ ምእንቲ ክብሪ ኽልኦት ኣሕሊፉ ዝህብ መን ለባም ከይብሎ? ንዕሽነተይ ብፍታወይ እኣምነሉን እቕበሎን። ናጽነቶም ንዝሸጡ፡ ካብ ካልእ ዓለማት መጺኡ ናጽነቶም ዘሕቁፎም ሓይሊ ክህሉ ከም ዘይክእል ክፈልጡ አዘኻኽሮም። ከምቲ ክነብርዎ ዝደልዩ ክነብሩ ክሳዕ ዘይጀመሩ መቝሕ እናጎተቱ ኣብ ጊላነት ምንባሮም ዘይተርፍ’ዩ። ካብዚ ንላዕሊ ናጽነት የሎን እንተ በሉ ድማ ምርጫኦም’ዩ። ዝተባረኸ ይኹነሎም።
“ነቶም ብሃይማኖትን እምነትን እናመሳመሱ ዝረሓሓቑ ናብ ልብኹም ተመለሱ እብሎም። ኣብ ጥቓ ማዕዳ ዘሎ ለበዋ’ዩ። ንሓደነት እምበር ንብዙሕነት ዝስበኽ ሃይማኖት ወይ እምነት ኣይተራእየን። እቲ ብዝተፈላለየ መገዲ ክረኽብዎ ዝደልዩ ኣምላኽ ሓደ ምዃኑ አዘኻኽሮም። ናብ ሓደ ኣምላኽ ብሓደ መገዲ እንተኸዱ እሓይሽ’የ ዝብል። እቲ መገዲ ድማ በብልቦም ጥራይ ምዃኑ’ዩ። ኣብቲ ናይ ግሊ ግላዊ፡ ኣብቲ ናይ ሓባር ድማ ሓባራዊ ባህሊ ክውንኑ እደሊ። ናተይ ይበልጽ ናተይ እባ እንተ ተበሃሃሉን ኣብ ቈይቊ እንተ ተጸምዱን፡ እምነት ይኹን ሃይማኖት ከም ዘይብሎም’ዩ ዘርእይ። ንሰብኣውነት ቀዳምነት ዘይሰርዕ እምነት ምስ ዝህልዎም ግን እምነቶም እምነተይ ኣይዂን ኢለ እእውጅ ኣለኹ።
“መን ኢኻ ንስኻ? ዝብል ሓታቲ ኣይሰኣንን። ብቝጽሩ እውን ውሑድ ኣይብሎን። ኣነ፡ ኣነ’የ ኢለ እየ ዝምልሰሉ። ዝሕባእ መንነት የብለይን። ኣባል ናይቲ ራኢታቱ ዝተሰልበ ወለዶ’የ። ምሉእ ዕድመኡ ዝተቓለሰን ዝቃለስ ዘሎን። ክሰምዕ’ምበር ክስማዕ ዘይተዓደለ ወለዶ! ብጣቕዒት ብዘስከሮምን ገና ዘስክሮም ዘሎን መለኽቲ ሕልምታቱ ዝተቘጽየን ዝተዳህከን። ካብቲ ቃልሱ ዝተጨውዮ ሓፋሽ እውን እየ። መኣዝኑ ዝጠፈኦ ናበይ የብል ከም ዘሎ ዘይፈልጥ ምስኪን ህዝቢ! ዘዝመጸ ውሕጅ ስምዒት ዝልክሞ ሓይሉ ምስ ጠለሞ እውን ዝገፍዖ ወይ ዘጸገዖ’የ። ክሳብ መኣስ እንድዒ!
“ብዘይቅበሎ ልሙድ ኣጸዋውዓ፡ ስደተኛ’ዩ ስመይ። ስደት፡ ካብ ምድሪ ናብ ጠፈር ካብኡ ሓሊፉ ውን ናብ ማርስ ኣብ ዝተጀመረሉ መዋእል፡ ‘ስደተኛ’ እንክበሃል ከመይ ኢለ ይቕበሎ! ኵልና ደቂ ኣዳም እግርና ኣብ እነቐምጠላ ምድሪ ከመይ ኢለ ስደተኛ ይኸውን? ግዳ መዕረፊኡ ዘይፈልጥ ተጓዓዛይ’የ። ኣብዛ ብመጕስዕ መዳፍዕ እትሕመስ መሬት፡ ድምጺ ኣዕዋፍ ዝናፍቕ፡ ድምጸን ክሰምዕ እግሪ እግረን ዝስዕብ ሰላማዊ። መዕረፊ ስለ ዘይረኸባ መዕረፊ ዘይረኸበ መንገደኛ! ማዕረ እተን ሓጋይን ክረምትን ዝሳግማ ኣዕዋፍ ዝሳግም፡ ንነብሱ ካብ ነቲሕ ኣተሓሳስባታት ንኸንጽህ ብሓቂቕ ሰብኣውነት ዝሕጸብ ዘሎ ፍጡር’የ ዝብሎ። ካብ ብሄር ብሄር፡ ካብ ዓሌት ዓሌት፡ ካብ እንዳ እንዳ፡ ካብ ቀቢላ ቀቢላ የብለይን። ኣይካብ ዓዲ፡ ኣይ ካብ ኣውራጃ ሓዲግ ዝተረፍኩ እየ። ኣይፋልካን ዝብለኒ መን ኣሎ? ልቡ ከየምዓረ ኣፉ ከምዕር ዝፍትን ብዙሕ’ዩ። ዘይምድካም ይሓይሽ። ኣብቲ ዝኣመንኩሉ እየ ዘለኹ። ድሩት ኣተሓሳስባ ዝፈጠሮ ደረት ዘይድርቶ፡ ንሰብ ብሰብኣውነቱ ዘምልኾ ፍጡር’የ። ሰብኣውነቱ ከየረጋገጸ፡ ካባና ኢኻ ንዝብለኒ ኣይትግዓር እብሎ። ዓለም ሓንቲ ኣውራጃ እያ ንዓይ። ብዘይካ ሰብ ምዃነይ መግለጺ መንነት የብለይን። ብዘይካ ሰብኣውነት ቋንቋ የብለይን። ነቶም ኣብ መገዲ፡ ንጽምአይ ብማይ፡ ንጥሜተይ ብእንጀራ ዝደበሱ አመስግኖም።”
****
ዝብል፡ ካብ ዕውለት ምስ ተበራበርኩ ኣብ ቅድመይ ኣብ ዝነበረ ወረቐት ዓቚሩ ጸንሓኒ። መኣስ ከም ዝሕተም ኣይፈልጥን። ዘመኑ ይጸበ።
Discussion about this post