ካብ ጫውጫውታ ኽሃድም ዝጀመሮ ጕዕዞ፡ ድሕሪ ነዊሕን ኣድካምን መገዲ ኣብ ብሕቱው ገዳም ከዕርፍ ኣብቂዕዎ ኣሎ። እተቐበልዎ መነኰስ ብዝቐረብሉ ቛርፍ ተዓንጊሉ፡ ድሮ ወግዒ ጀሚሩ።
“ንምዃኑ ደቂ-ሰብ ከመይ ኣለዉ፧” መነኰስ ብህንጡይ መንፈስ ሓተትዎ። ሕቖኦም ሂቦምዎ ዝመነኑ ዓለም ዝናፈቑ ይመስሉ።
“ደሓን እዮም። ፍቓድ ፈጣሪ ኽመልኡ ንምድሪ ዳርጋ መሊኦምዋ እዮም። ብዅናት እንተ ዘይተሃናዀቱስ መሊኦምዋ እውን ምሃለዉ። ካብ እትፍለይዎም ክንደይ ዓመት ከም ዝገበርኩም እኳ እንተ ዘይፈለጥኩ፡ ብዙሕ ስልጣነ ኣርእዮም ኣለዉ ኽብል እኽእል። ንእኒ ሕማም ፌራ ተቘጻጺሮምዎ እዮም። ንሕርሻ ኣማዕቢሎም፡ ካብ ድራር እለት ቀለብ ዓመት ናብ ምኽዛን ተሰጋጊሮም ኣለዉ። ዘመናዊ ዝበሃል ናውቲ ዕዮ ተዓጢቖም፡ ምህርቲ ኸሰስኑ ክኢሎም እዮም። ጐድናኣዊ ሳዕቤኑ ብዝገደፍካ፡ ጸረ-ባልዕን ጻህያይን ከማዕብሉ ምኽኣሎም ሓጊዝዎም ክበሃል ይከኣል። ጋግ ድኻን ሃብታምን ኣዝዩ እኳ እንተ ገፍሐ፡ ካብቲ ብዕብራን ዝሳቐ ምኽሳዕ ብዘስዕቦ ሕማም ዝሳቐ ይበዝሕ፡” ሓፈሻዊ ኵነታት ደቂ-ሰብ ገለጸሎም።
“ደቂ-ሰብ ብተወሳኺ፡ ንመሬት ሰንጢቖም፡ ንባሕሪ ጨዲዶም፡ ንጠፈር ጥሒሶም ክኸዱ በቒዖም ኣለዉ። ብፍላይ ኣብ መጓዓዝያ፡ ካብ መጽዓኛ ናብ መንኰርኰር እዮም ተወንጪፎም። ካብ ዝፍለጠኒ ኽሳዕ ሕጂ፡ ኣነ ብዓቕመይ እኳ ኽንደይ ርእየን ሰሚዐን፡” ቅርጥው ብዝበለ ኣገባብ ከነጽረሎም ፈተነ።
መነኰስ ንእተወሰነ ካልኢታት ዝን ድሕሪ ምባል፡
“ብህጻነይ እየ ናብዚ ገዳም መጺአ። ካብ ሰብ ተወሊደ እምበር ሽታ ሰብ ከይለመድኩ እየ ተፈልየን መኒነን። ዝነብሮ እምበር ዝዝክሮ ቕዲ ህይወት የብለይን። ምስ ከማይ ዝበሉ፡ ቅድመይን ድሕረይን ዝመንኰሱ ኸኣ ብጸሎትን ምስጋናን ብሰላም እነብር ኣለኹ። ደጊም ናብ ቴስዓ ዓመት ተገማጊመ፡ እንታይ ተሪፉኒ፡” ዕድመኦምን ኣመጻጽኦምን ምስ ኣነባብራኦም ኣካፈልዎ።
ኣብዘን ከም ዕድመኦም ዝጠቐሱወን ቴስዓ ዓመት፡ ብደረጃ ዓለም ንእተኸስቱ ምዕባለታት ብሓሳብ ክድህስስ ሓለነ። ሓደ ዘመን ቀሊል ከም ዘይኰነ ደምደመ። ንዅለንትና እቶም መነኰስ ጠመቶ። ሽፋሽፍቶም ዱር፡ ኣዒንቶም ድማ ብዱር እተኸበበ በዓቲ መሲሉ ተራእዮ። ናይ ምርኣይ ይኹን ምንባብ ጸገም ከም ዘይብሎም፡ ኣብ ኢዶም ዝነበረ መጽሓፍ መስከረሉ። ጸሊምን ጻዕዳን ብማዕረ እተዛነቐ ጭሕሞም፡ ንምዕጕርቶም ካብኡ ሓሊፉ ድማ ንመንጋጋኦም ተኸቲሉ ንኽሳዶም ሸፊኑ፡ ናብ ደረቶም ኣንቈልቊሉ ይረአ። ድልዱል ሰብኣይ ከም ዝንበሩ፡ ስፍሓትን ንውሓትን ኣዕጽምቶም የዘንቱ። ንቘርበቶም ወጢሩ እተነፍሐ መትረባት ሰራውር ደሞም እውን ተወሳኺ ስእሊ ኽህብ ዝደለየ ይመስል። ድሕሪኡ ገዲፍዎም ምስ ዝመጽአ ናይ ዕድመ መዛኑኦም ብምንጽጻር፡ ገና ድልዱል ምህላዎም ኣስተውዓለ። ምስጢር ‘ብጥዕና ምእራግ’ ንኽፈልጥ ከም ዝሕግዝዎ ኣይሰሓተን።
“ደቂ-ሰብ፡ ብጽጋቦም እንተ ዘይተባሪሮምስ እታ ንኣዳምን ሄዋንን እተዋህበቶም እሞ ነዊሕ ዘይተቐመጡላ ገነት ኤዶም መሊሶምዋ ኽበሃል ይከኣል። ንቐጻልነት ብዝምልከት ግን እንድዒ፡” ስክፍታኡ ኣይሓብአን።
“‘ናይ ኣቦ ንመን ንሃቦ’ ዝገብርዎ ዘለዉ ይመስሉ። ንምድሪ ክኸስርዋ እዮም። ስስዐ እንተ ዘይመልኮም ምኣኸለቶም። ነቶም ካልኦት ፍጥረታት፡ ኣትክልቲ ይኹኑ እንስሳታት ዳርጋ ኣብሪሶሞምን ኣጽኒቶምዎምን እዮም። ንተፈጥሮኣዊ ሚዛን ብምዝባዕ፡ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ሓደጋ ኸም ዘንጸላሉ ገይሮም ኣለዉ። ከም መርኣያ ድማ ምድረ-በዳነት እናኣስፋሕፍሐ፡ ተደጋጋሚ ደርቂ እናተኸስተ፡ ውሕጅን ዕልቕልቕን ይረአ ኣሎ። ይረኣየኩም ድዩ ኣይረኣየኩምን ኣይፈልጥን። ምጽኦታት፡ ብኸምዚ መገዲዶ ይኸውን ዘጋጥም፧” ሕቶ ኣስዓበ።
“ምጽኣት እኮ ከምቲ ንዅሉ ሰብ ዝመስሎ ዕንወት ኣይኰነን። እዚ እትብሎ ዘለኻ ግን ፍጹም ዕንወት ይመስል። ብልክዕ ድማ ኣሰካፊ እዩ፡” ንስግኣቱ ብስግኣት መለሱሉ።
“ንሱ እንድዩ ደኣ ዘሻቕለኒ ዘሎ። ተጣበቕቲ ምድሪ ፈቐዶኡ ይውጭጩ ኣለዉ። ምድሪ ንምድሓን እዩ ኣውያቶም። ብመጻኢ ደቆም እዩ ስግኣቶም። ቃንዛ ምድሪ ዘይስምዖም ግን በቲ ውጭጭታ ንኸይርበሹ እዝኖም ዓጽዮም ኣለዉ። ኣድህቦኦም ኣብ ምርምር እዩ ዘሎ። ድሮ እኳ ማእከል በጻሕቲ ኣብ ጠፈር ተመስሪቱ ኣሎ። ውሑዳት ሰባት በጺሖም ተመሊሶም ኣለዉ። ደቂ-ሰብ፡ ቅያር ምድሪ ንምርካብ ቀትርን ለይትን ይጽዕሩ ኣለዉ። ክሳዕ ሕጂ ኽንዲ ምድሪ እትኣክል ፍጽምቲ ዓለም እኳ እንተ ዘይረኸቡ፡ ተስፋ ኸይቆረጹ ይቕጽሉ ኣለዉ። ሓደ ነገር ክሓትተኩም ምደለኹ። ኣብ ዓለመ መናንያንከ ካብ ገዳም ናብ ገዳም ዝግበር ስደት ኣሎዶ፧ ሓደ ገዳም ዘይማእምኦ መነኰስ እንታይ ኣማራጺ ኣለዎ፧”
ሓቲቱ ደው ኣይበለን። ቀጸለ።
“ኣብ ደቂ-ሰብ፡ ስደትን ፍልሰትን ንቡር እዩ ዀይኑ ዘሎ። ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ፡ ካብ ሃገር ናብ ሃገር፡ ካብ ኣህጉር ናብ ኣህጉር ልሙድ እዩ። ሕጂ ድማ እንሆ ኻብ ምድሪ ናብ ካልእ ፕላኔታት ይሰጋገር። ደቂ-ሰብ፡ ማርስ ንእተባህለት ፕላኔት ዝያዳ ተስፋ ኣሕዲሮምላ ኣለዉ። ድሕሪ እቲ ኣብ መደበር ጠፈር እተኻየደ ዕዉት ምብጻሕ፡ ብኣጻብዕ ዝቝጸሩ ተመራመርቲ ንመገሻ ይመጣጠሩ ኣለዉ። እቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ፡ ወዲ-ሰብ ብህይወት ንኽጸንሕ ዘድልዮ ዅሉ ከም ስንቆም ቋጺሮም እዮም ዝኸውዱ። ከምዚ ኣነ ናብዚ ገዳምኩም ብዘይ ስንቂ መጺአዮ ዘለኹ፡ ብዘይ ስንቂ ኽገሹ ኣይደፈሩን ዘለዉ። ግድን ማይ፡ ምግቢ፡ ኣየር፡ ልብሲ፡ መድሃኒት ሒዞም ክኸዱ ኣለዎም። ህይወት ዘለዎም ይህልዉዶ ኣይህልዉን ጥራይ ዘይኰነ፡ እዞም ብህይወት ንኽንነብር ዘኽእሉና ባእታታት ኣለዉዶ የለዉን ርግጸይኛታት ኣይኰኑን። ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ፡ ናብኡ እተብጽሕ መንኰርኰር እትበሃል፡ ኣብ ህዋ እትጐዓዝ ተወንጫፊት ኣማዕቢሎም ኣለዉ።
“ስራሕ ሰይጣን ድያ ስራሕ ሰብ፧”
“ስራሕ ሰብ እያ። ብኻልእ ሸነኽ፡ ንሰብ ጽቡቕ ኣገልግሎት ክህብ ዝኽእል ብሰይጣን ይሰራሕ ብሰብ ኣገዳሲ ኣይኰነን። እቲ ዘገድስ እቲ ዝህቦ ኣገልግሎት እዩ ኣብ ዝበሃለሉ መድረኽ ተበጺሑ ኣሎ።”
“ወዲ-ሰብስ ክሳዕ ክንድኡ በጺሑ፧” መነኰስ ተገረሙ።
“እወ፡ ወዲ-ሰብ ብዘይካ ኣብ ምብህሃል ኣብ ብዙሕ እዩ ሰጒሙ ዘሎ። ጽን ኢልካ ምስማዕን ህድእ ኢልካ ምብህሃልን ግን ሕልሚ ዀይኑ ተሪፉ ኣሎ። ዝነበሮ ኸይተረፈ ኣጥፊእዎ። ዝነበሮ ኻብ ኣጥፍአስ እዛ ዘላቶ ምድሪ ኣጥፊእዋ ኸይጠፍእ የስግእ። ወዲ-ሰብ፡ ጫውጫው በሃሊ ዀይኑ ኣሎ። ነናቱ ድምጺ ኣበሪኹ፡ ማዕረ ብከላ ኣየርን ማይን፡ ብከላ ድምጺ ከም ዝኽሰት ገይሩ ኣሎ። ዝዛረብ እምበር ጽን ዝብል ተረካቢ ኣይኰነን። ብገዛእ ድምጹ ንኽረዊ ይቃለስ ኣሎ። ኣነ ንባዕለይ፡ በቲ ኣብኡ ዝለመድክዎ እዕብለልኩም ምህልወይ ኣይጠፍኣንን። ጽን ክብል ይግባእ ነይሩ። ዓቐን ድምጸይ ንኸበሮ እዝንኹም የጨንቖ ኸም ዘሎ ርግጸኛ እየ። ንዝሓተትኩምኒ ኽምልስ ዘረባ አንውሕ ምህላወይ ኣቕሊበሉ ኣለኹ። ጋሻስ ሓፋር እዩ ዝነበረ። ግን ትርድኡለይ ትዀኑ። ዝሰምዕ ስለ ዝረኸብኩ ግዲ ዀይነ ሓዲሱኒ እየ።”
“ዘሰክፍ የብልካን። ቅድመኻ ዝመጽኡ እውን የዋግዑኒ እዮም። ግን ኣይከምዚ ናትካን። ከምዚ ናትካ፡ ብተመስጦን ኣስተንትኖን ዘዋግዑ፡ ካብ መጻእቲ ይኹን በጻሕቲ ዛጊት ኣይረኸብኩን። ጽልኣቶም ገሊጾም ዕቝባ ዝሓትቱ እዮም ዝበዝሑ። ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣቢሉ ዝመጽአ፡ ክንዳኻ ዝኸውን ሰብኣይ ድማ ብዙሕ ክብል እናተጸበኽዎ ብኸምዚ ከዋግዓኒ ኣይደፈረን። ዝጽወ ስለ ዘይብሉስ ይኹን ሰማዒ ኣይረክብን እየ ኢሉ፡ ልሳኑ ኣይከፈተን ዘሎ። ግዜ ጸሎት ኣኺሉ በል ክገድፈካ፡ ድሕሪኡ ናብቲ ብሕቶ ተናኺፍካዮ ዘለኻ ጕዳያት ክንቅጽል፡” ሳዕስዕ እሞ ሓዳርካ ኣይትረስዕ ገበርዎ።
ገዲፎምዎ ኽኸዱ እናተጸበየ፡ ኣብ ዝነበርዎ ህጣሞም ኣጥፍኡ። ብዘይ ድምጺ ይጽልዩ ኸም ዝነበሩ ሰሪቑ ምስ ጠመቶም፡ ከንፈሮም ይንቀሳቐስ ምህላዉ፡ ብምንቅስቓስ ዕሙር ጭሕሞም እዩ ፈሊጡ። ጸሎት ኣንዊሖም፡ መዋግዕቲ ስኢኑ ኣዕለበጠ። ንብሕትውና እውን ብሕትውና ኸም ዘለዎ ፈለጠ። ብዓቕሊ ኽጽበዮም ምስ ውሽጡ ተላዘበ።
Discussion about this post