እቲ መጽሓፎም፡
“..እገለ ንእገለ ወሪሩ
እገለ ንእከለ ስዒሩ
ማሪኹ፡ ኣሲሩ
ኣቝሲሉ፡ ቀቲሉ…”
ዘዝገንጸልክዎ
መለሳ እስእነሉ።
ኰይንዎ እቲ ዛንታ
ዛንታ ውግእ ጥራይ
ሃብታም ብሓተላ
ኣልቦ ጽራይ።
መኽዘኖም ሓጺነ መጺን
ተወርዋሪ፡ ተፈንጃሪ
ቈራጺ፡ መታሪ
ዘልዛሊ፡ በጃሊ፡
ነጋውሶም፡ ነጋውስ ኵናት
ሃብታማት ብገላዩ
ብቐየስቲ ውግእ ብባራዩ፡
ዓቀይተቶም ብደም ዝዓፍተዩ
ክሳድ ሰብ በቲኾም ዝረውዩ።
ኣብ ማእከሎም ድማ ኣነ ጽሉል
ባርያ ንምዃን፡ ባርያ ሰላም
እግዕር.. እጭድር።
ነጋሪት እናተሃርመ
ዳንኬራ ዅናት እናጉረምረመ፡
ቅድሚ ኵናት ኣብ ዘሎ ምሕቋን
ንበይነይ እዕዘም
ድሕሪ ኵናት ኣብ ዘሎ ምስቍንቋን
ንበይነይ እቝዝም።
ካበይ ከም ዘምጻእክዎ ነዚ ባህሪ
መልሲ የብለይን ንሓታቲ
ፍርሒ ግን ይመስሎም ብዓል ወጃሃላይ
ስምዒት ዝስንቆም ምህላል ጥራይ።
ሓድሽ ከይእልሹ
ፍጥነት እናወሰኹ
ንድሕሪት ይምርሹ።
ብነብሰ ምትሓት ዝሳጸዩ
ብነብሰ ምልዓል ዝሳቐዩ
ክወናጀሉ ክጓነዩ
ዘይመኣዶም እናኣቋመቱ
ድቃስ ርሒቑዎም ክዳመዩ!
ይልኣኹ ኸኣ’ባ ይጥበሩ
የሳስዩ ብርሑቕ ይዝወሩ።
ብዘይሰርሕዎ እናተታዀሱ
እናተሰደዱ እናፈለሱ
እናተቓተሉ፡ እናተፋለሱ
ይሕበኑ ኸኣ ኽንዲ ዘስተንትኑ።
ኣስተውዒሎም ከይስጕሙ
ከይልብሙ ከይህብትሙ
ዝሰልጠኑ ይመስሎም
ሕሉፍ እንተ ደገሙ።
ብድሕረት ብድኽነት
ስሞም ተቐሚጡ ኣብ ቅድሚት
ብብልጽግና ወይከ ፈልከት
ስሞም ተረዪዑ ኣብ ድሕሪት፡
ሕሙም ከይፍውሱ
ጥሙይ ከይዕንግሉ
ሓጺነ መጺን ክጓርቱ
ኣበይ ከርክቡሉ።
እቲ መሬቶም
ዓይበት ክሕፈሶ
ርሃጾም ከይፈሶ፡
ክንዲ ኣጽዋር ልምዓት
ኣጽዋር ጥፍኣት
ይኽዝኑ
የምህሩ የሰልጥኑ፡
ደሞም ይመርጹሉ
ንዘየፍርዩሉ
ይዋደቑሉ
ንኽቅበሩሉ።
Discussion about this post