ንዓለም ኣብ 2050 ብቝጠባ ክዕብልል ዝሰርሕ ዘሎ ብ’ብሪክስ (BRICS) ዝፍለጥ ምትእኽኻብ፡ ቅድሚ ኣስታት ሰላሳ ዓመት ናይቲ ዝወጠኖ ግዜ፡ ንሓይሊ ሚዛን ከነቓንቕ ዝጅምር ዘሎ ይመስል። ኣባላት እቲ ኺዳን ዝዀና ቻይና፡ ሩስያን ደቡብ ኣፍሪቃን፡ ከም ኣብ ኩሉ ቍጠባውን ፖለቲካውን ጽምዶታት፡ ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ ሓባራዊ ልምምድ ከካይዳ ምርኣየን እምበኣር፡ ርእሱ ዝኸኣለ መልእኽቲ ዘለዎ’ዩ።
ፖለቲካን ቍጠባን ተመላላእቲ ጥራይ ዘይኰኑ ክልተ ገጽ ናይ ሓደ ሳንቲም ምስ ምዃኖምን፡ ሓደ ብዘይ’ቲ ኻልእ ዕዉት ክኸውን ስለ ዘይክእልን፡ ወተሃደራዊ ሓይሊ ድማ ንውሕስነት እትኽተሎ ፖለቲካውን ቍጠባውን ፍልስፍና ወሳኒ ብምዃኑ፡ ሃገራት ብሪክስ ክሰርሓሉ ምጅማረን ዘየማትእ ኰይኑ ንረኽቦ። ከም መቐጸልታን ጥርዝን ከካይዳኦ ዝጸንሓ ንጥፈታት ድማ ኽጥቀስ ይከኣል።
ኣባላት ምትእኽኻብ ብሪክስ፡ ንብራዚል፡ ሩስያ፡ ህንዲ፡ ቻይናን ደቡብ-ኣፍሪቃን ዘጠቓለለ ዀይኑ፡ ከም ጥንሰ-ሓሳብ ኣብ መስከረም 2006 እዩ ብድርኺት ሩስያ ተበጊሱ። ኣብ ቍጠባውን ፖለቲካውን ሽርክነት እተመርኰሰ፡ ካብ ኣርባዕተ ኣህጉር እተኣኻኸባ ሃገራት ድማ ጠሚሩ ኣሎ። ኣብ ዞባውን ዓለማውን ዛዕባታት ከኣ ጸላዊ እናዀነ ኽመጽእ ይረአ ኣሎ።
ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለምን ዝሑል ኲናትን ዓቢ ሓይሊ ዀይኑ ንዝወጽአን፡ ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ድማ ዓብሊሉ ኽኸይድ ንዝጸንሐ ሓደ ቐጽራዊ ዓለም ኽብደሆ ይጅምር ከም ዘሎን፡ ብርክት ዝበለ ክስተታት ይምስክር ኣሎ። ካብ ዝምስረት ክሳዕ ሕጂ ወግዓውያን ኣባላቱ ኣቐዲመን እተጠቕሳ መስረትቲ ሃገራት ጥራይ ኰይነን፡ ኣርጀንቲና፡ ግብጺ፡ ስዑዲ ዓረብን ቱርክን እውን ንኣባልነት ኣመልኪተን ይርከባ። ይኹን እምበር ጉዳያተን ቀስ ብቐስን ብተናጸልን ተራእዩ መልሲ ኸም ዝወሃቦን’ዩ ዝግለጽ ዘሎ። ቱርኪ፡ ኣባል ኔቶ ኽንሳ ናብ ምትእኽኻብ ብሪክስ ሕቶ ኣባልነት ምቕራባ ድማ ከም ሓደ ዓቢ ኣዛራቢ ዛዕባ ኽጥቀስ ንዕዘብ።
ምስ ምምጻእ’ዚ ሓይሊ፡ ዓለምና ናብ ሳልሳይ ኲናት ዓለም ከይተምርሕ ስግኣታት ኣሎ። ኣብ መንጎ ኣባል ብሪክስ ዝዀነት ሩስያን ዩክረይንን ተወሊዑ፡ ልዕሊ ሓደ ዓመት ኣቝጺሩ ዘሎ ኲናት፡ ሃገራት ምዕራብ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ይሳተፋኦ ምስ ምህላወን፡ እቲ ደማዊ ኲናት ንምሉእ ምብራቓዊ ሓይሊ ተዅቲኹ ከየተስኦ እሞ ናብ ምሉእ ዓለማዊ ኵናት ከይልሕም ከም ዘስግእ፡ ተንተንቲ ፖለቲካ መዓልታዊ ዝተናኽፍዎ ዘለዉ ዛዕባ’ዩ።
ኣባላት ብሪክስ ዝዀና ቻይናን ህንድን፡ ብዲፕሎማስያዊ መዳይ ኣብ ጐድኒ ሩስያ ክስለፋ ብምጽናሐን፡ ናብ ቍጠባዊ ምድግጋፍን ምምልላእን ንኽጽመዳ፡ ካብኡ ሓሊፈን ድማ ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ ተመኵሮ ክለዋወጣን ሓባራዊ ልምምድ ከካይዳን ግዜ ኣይወሰዳን።
ሓደ ኸም መርኣያ ጥቡቕ ምሕዝነተን ክጥቀስ ዝኽእል ድማ፡ ኲናት ዩክረይንን ሩስያን ተወሊዑ፡ ብሃገራት ምዕራብ ኣንጻር ሩስያ ዝቐንዐ እገዳ ኣብ ልዕሊ እገዳ ምስ ሰዓበ፡ ሩስያ ድማ ኸም ግብረ-መልሲ፡ ብሃገራዊ ባጤራኣ ክትሸይጥን ክትልውጥን ኣብ ዝጀመረትሉ፡ ህንድን ቻይናን ቀዳሞት ተግበርቲ ውሳኔታታ ኽዀና ተራእየን። ንሰደድ ዕዳጋ ጸዓት ሩስያ ኣማራጺ ዀይነን ብምቕራብ፡ ብሩስያ ኣንጻር ሃገራት ኤውሮጳ ንዝቐንዐ ማሕንቖ ጸዓት ውሕስነት ክዀናኦ ድማ ኽኢለን። ጸኒሐን ከኣ፡ ከምቲ ኣቐዲሙ እተገልጸ፡ ኣብ መጀመርታ ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት ንገለ ኣባላት ብሪክስ ዘጠቓለለ ሓባራዊ ወታሃደራዊ ልምምድ ኣብ ማያዊ ግዝኣት ደቡብ ኣፍሪቃ ከካይዳ ተራእየን።
ኲናት ሩስያን ዩክረይንን ንቝጠባ ዓለም ብሓፈሻ ኽጸልዎ’ኳ እንተ ኸኣለ፡ ዝበዝሓ ሃገራት ኤውሮጳ ብፍላይ ኣብ ጽላት ጸዓት ቀንዲ ተጠቃዕቲ ክዀና ግድን ኰነ። ዘይሓሰባሉ ህዉኽ ስጕምቲ ኸም ዝወሰዳ ድማ ድሒሩ እተሰወጠን ይመስል።
ኵናት ብዙሕ መልክዓት ከም ዘለዎ ንጹር ኰይኑ፡ ክንዲ’ዚ ዘለናዮ ዘመን ግን ዝያዳ ነጺሩ ኣይተራእየን ክበሃል ይከኣል። ርእሰማላዊ ፍልስፍና ዝዓብለሎ ዓለማዊ ቝጠባ፡ ሃብታም ክውስኽ፡ ድኻ ድማ መሊሱ ክደኪ ዝድርኽ ኣቃውማ ወላ ይሃልዎ፥ ነንሓድሕዱ እናተመላለአ፡ ሰፊሕ ንግዳዊ ምትእስሳርን ዝርገሐን ሃኒጹ ብምጽንሑ፡ እተፈጥረ ፖለቲካዊ ፍሕፍሕን ጐንጽን ብቐጥታ ኽጸልዎ ኽኢሉ ኣሎ። ካብ ደቒቕ ናብ ደቒቕ ዘሎ ምቅይያራት ንዕዘቦ ኸም ዘለና ኸኣ ዘይከሓድ ሓቂ ዀይኑ ንረኽቦ። እቲ ጠንቅን ሳዕቤንን ዝያዳ ደሚቑ ንኽንርእዮ እውን ቴክኖሎጂ ሓበሬታ እጃሙ የበርክት ኣሎ። ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ዓውዲ ዲፕሎማሲ፡ ቍጠባን ፖለቲካን ዝካየድ ዘሎ ምትሕንናቕ ምስ ተጸንቀቐ፡ ናብ ዓውደ-ውግእ ክይእቶን ወተሃደራዊ ረጽሚ ሰማይ ከይዓርግን ስክፍታ ብዙሓት ምዃኑ ኣይተረፈን።
ሓደ ቐጽራዊ ዓለም ንብዙሓት ሃገራት ዓለምና ግዳይ ክገብር ከም ዝጸንሐ ኻብ ማንም እተኸወለ ኣይኰነን። “ዘመነ ኣመሪካ በል፡ ብእገዳ ኸይትሕመል፡ ስቕ ኢልካ ተጸቐጥ፡ ብዱላ ምዕራብ ከይትዝበጥ፡” ከብቅዕ ድዩ ኽቕጽል፡ ርሑቕ ኣብ ዘይኰነ ግዜ ዝገሃድ ይመስል። ብኣመሪካን መሻርኽታን፡ ብወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ቍጠባውን ፖለቲካውን እገዳታት ግዳያት ኰይነን ዝጸንሓ ሃገራት፡ ነዚ ዝቀላቐል ዘሎ ሓድሽ ዓለማዊ ሓይሊ፡ ከም መድሕነን ክጽበያኦ ዝጸንሓ ይመስላ ኣለዋ። ተጸበይቲ ኻብ ምዃን ሓሊፈን ንጡፋት ተዋሳእቲ ዝዀና እውን ኣይተሳእናን። ከም ኤርትራ፡ ኢራንን ካልኦትን ዝኣመሰላ ከም ኣብነት ምጥቃስ ይከኣል። እቲ ብሻራ ዘይብለን ሃገራት ክኸይድ ዚጸንሐ ምትእኽኻብ እውን ሻራኡ ኣደልዲሉ፡ ናብቲ ዝቀላቐል ዘሎ ኣማራጺ ሓይሊ ኸማዓዱ ጀሚሩ ኸም ዘሎ ይጋሃድ ኣሎ።
ቀንዲ መሓዛ ኣመሪካ ዝዀነት ኣህጉር ኤውሮጳ ኸኣ፡ ኣብ ደውታን ነግፈረግን ዝቘመት ትመስል። ከምቶም ዝሓለፉ ኽልተ ዓበይቲ ውግኣት ዓለም፡ እቲ ቐንዲ ጥምጥም ኣብ ሜዳኣ ኸይከውን ስግአት ከይሃለዋ ኣይተርፍን። ኵሉ እምነታ ኣብቲ ብኺዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ዝቘመ ምትእኽኻብ ኔቶ’ኳ እንተ ዀነ፡ ሰላም እምበር ኵናት ከም ዘየርብሓ ናብ ምግምግም ተምርሕ ዘላ’ያ እትመስል። ብጻዕዳ ገዛ ንዝወሃባ ኣጀንዳ ኸም ዘለዎ ኽትቅበልን ክትደግሞን ከም ዘይጸንሐት፡ ኣብ ብርክት ዝበሉ ዛዕባታት ዕቃበ ኽትገብር፡ ሰጋእ ክትብልን ደው ኢላ ኽትሓስብን ትረአ ኣላ። ፕረዝደንት ማክሮን ቅድሚ ወርሒ ናብ ቻይና ነጊዱ እተመልሰ፡ ብዘይ ምኽንያት ኣይነበረን ኢልካ ምድምዳም ይከኣል። ዕላማ መገሻኡ፡ ብሓዊ ንዘይምጽዋትን፡ እታ ንዕዳጋታት ኤውሮጳ እትምግቦ ቻይና ንዘይምኽሳርን ክዓዪ ኸይኰነ ኣይተርፍን።
ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ሕብረት አውሮጳ ድሕሪ ምውጽኣ፡ ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ ብፖለቲካውን ቍጠባን ደረጃአን ቀዳሞት ተጠቀስቲ መሓዙት ኣመሪካ፡ ጀርመንን ፈረንሳን እየን ዘየብል ኣይኰነን። እዘን ክልተ ሃገራት ዝወስዳኦ ስጉምቲ ይኹን ዝኽተላኦ መርገጺ ኸኣ ኣብተን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ልዑል ጽልዋ ኽህልዎ ይረአ። እዘን ክልተ ተጠቀስቲ ዝዀና ሃገራት ግን፡ ዘይከም ኣብ መጀመርታ ዘርኣየኦ ቅሩብነት፡ ብተደጋጋሚ ሰገጥ ክብላ ይረኣያ ኣለዋ።
ኣህጉር ኤውሮጳ እምበኣር፡ ‘ሰብኣይ ክልተ ኔው ነጀው ክብል ሞተ’ እንተ ዘይኰይንዋስ፡ ንቻይናን ከይከሰርካ ንኣመሪካን ከየዀረኻ ኣብ ዝብል ምርጫ’ያ ተቐርቂራ ዘላ። ነዚ ምርጫ እዚ ንኽትክተል ዝድርኻ ዘሎ ምኽንያት፡ ብወተሃደራዊ ኪዳን ምስ ኣመሪካ፡ ብቝጠባ ኸኣ ምስ ቻይና ዘተኣሳስርዋ ኽልተ ወሰንቲ ዕትብቲ ስለ ዘለዉዋ እያ። ሓደ ካብዞም ወሰንቲ ዕትብቲ ምስ ዝብተኽ ንሓደጋ ኸም እትቃላዕ ኣዳዕዲዓ ፈሊጣ ኣላ ኽበሃል ይከኣል። ነጻ ፖለቲካዊ ሕርያኣ ኣነጺራ ምስ እትሰርሕ ጥራይ’ያ ድማ፡ ንረብሓኣ ኣደልዲላ ንስግኣታ ኣቃሊላ ኽትሰርር እትኽእል። ፈጺሙ ዝኸውን ግን ኣይመስልን። ምስቲ ንልዕሊ 70 ዓመት ዝጸናሕካዮ ወተሃደራዊ ኪዳንዶ ምስ ቍጠባዊ ሽርክነት ቻይናን ሩስያን ምብታኽ፧ ክልተ ኣዕናዊ ምርጫታት ጥራይ ኣብ ቅድመኣ ተገቲሩ ኣሎ። ኣውሪዳን ኣደይባን ምስ እትሓስብ ግን፡ ብርግጽ ካብ ክልቲኡ ወጻኢ ዝሓሸ ምርጫ ኣይክትስእንን ትኸውን።
ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ከምቲ ኣቐዲሙ እተገልጸ፡ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ 1949 ዓመተ ምህረት እተመስረተ፡ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ኪዳን ኰይኑ፡ ኣብ ሰሜን ኣመሪካን ኤውሮጳን ዝርከባ ሃገራት ዘበገሳኦ፡ ብኣመሪካ ዝዝወርን ንጸጥታውን ፖለቲካውን ረብሓ ኣመሪካን ሃገራት ምዕራብን ከውሕስ ተባሂሉ ኸም ዝቘመን’ዩ ዝጥቀስ። ብ 12 ሃገራት ተመስሪቱ ድማ ኣብዚ ሰዓት ክሳዕ 31 ዝበጽሓ ኣባል ሃገራት ኣለዋኦ። እተን ድሒረን ናብዚ ኪዳን እተጸንበራ ኸኣ፡ ዳርጋ ብምሉአን ሃገራት ምብራቕ ኤውሮጳ ኰይነን ኢና እንረኽበን።
ጐረባብቲ ሩስያ ዝዀና ገለ ሃገራት ኤውሮጳ ንኺዳን ሰሜን ኣትላንቲክ፡ ማለት ኔቶ ኸም ዋሕስ ብምርኣይ፡ ኲናት ዩክሬንን ሩስያን ድሕሪ ምኽሳቱ፡ ኣብ ጽላሉ ኽዕቈባ ኽጓየያ ተራእየን እየን። ካብታ ብዂናት ምስ ሩስያ ገጢማ ዘላ ዩክረይ ክሳዕ ሽወደንን ካልኦትን ብህዉኽ ምአንፈስ ንኽጽንበራ ድማ ሕቶ ኣባልነት ኣቕሪበን። ንገሊአን ክሰልጠን እንከሎ፡ ሕቶ ገሊአን ድማ መልሲ ኸይተዋህቦ ገና ኣብ መስርሕ ኣሎ።
ብኣጠቓላሊ ኽረአ እንከሎ፡ ፖለቲካ ዓለም ናብ ምትፍናን ገጹ ኣብ ዘምርሓሉ ዘሎ እዋን፡ ብኲናትን ግርጭታትን ክስነ ንዕዘቦ ዘለና’ዩ። ቍጠባዊ ቅልውላውን ምንቍልቋልን ዳርጋ ኣብ መላእ ዓለም ተኸሲቱ ኣሎ ኽበሃል ይከኣል። ንሃገራት ኣፍሪቃ ሓዊስካ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት፡ ዝያዳ ግዳያት ክዀና ይረኣያ ኣለዋ። ኩሉመዳያዊ ሃስያ ዘረኻኽበለን ዘሎ ድማ ይመስል። ግዳያት ዝኣጐዳኦን ዘይኣጐዳኦን ሓዊ ይዀና ምህላወን ካብቲ ዘሕዝን ታሪኻዊ ተርእዮ ምዃኑ’ዩ።
ይቕጽል…
Discussion about this post