እደልያ’የ ንሓርነት
እኸዳ’የ ኣብ ዘላቶ
ሃሰው እብላ ንሓርነት
እኣቱ’የ ኣብ ዘይእቶ፡
ኣብ ቀዝሒ ኸረን፡ ኣብቲ ጥርዚ
ኣብ ህሮሩማ፡ ኣብቲ ለጠቕታ
ተንፋሒዀ፡ ተንሸራቲተ
እደልያ’የ ንሓርነት
እደልያ’ወ፡ እብል ከርተት!
ብሓርነት ንኽነብር፡
ሓድጊ መስፍን ወዲ መስፍን
በትሪ ምልኪ ሰባቢረ
ሓጹር ባህሊ ጐሓሒፈ
ኣጕል እምነት ቀባቢረ፡
እደልያ’የ ንሓርነት
ሓዋዊሰ ቐትርን ለይትን
እብል’ወ ላዕልን ታሕትን
ፈሳም ሓሳብ ኣሳጒጐ
ሃሪ ሓሳብ ንኸስፍን!
ንኽፍሳህ
ንኽፍንጫሕ
ክዳን ኣውጺአ፡ ግርማ ዕብዳን
እመርጾ’ወ ነጻ ምዃን!
ከይዓደምኩ ንዘጣቕዕ
ጓይላ እተክል፡ እወ እስዕስዕ!
ኣብ ዝባን መቓብር እታ ባርነት
እፍተል እወ ብሓርነት፡….
እብል ሰለል … ሰለለለል
ኪኖ ንቑጽ ምድሪ
እበጽሕ ባሕሪ
ብሓርነት እወ እጽለል
ነይርመስ ግን ነይብለል።
Discussion about this post