ሃሎው ድባብ
ድባብ ጽላል ቅርዓት
ምርኩስ ኣረጋውያን
ጠዋሪ ግዱዓት፡
ከመይ ኣሎ ንፋስ ክረምቲ
ኵነታት ጥሪት ምስ ዘራእቲ
ከመይ ኣለዉ ስድራ
እንታይ ኣሎ ደሃይ ዓዲ፧
ካብ ሕማም ዓበቕ፡ ሕማም ጐርበድ
ደሓንዶ ኣለዋ እተን ጥሪት፧
እቲ ዕፉን፡ እቲ መሸላ
ደሓንዶ’ሎ፡
ካብ ወራር ባርኖስ፡ ካብ ጋንሼራ፧
ብወገነይ፡ ኣለኹልካ….
ኣብ ዓዲ ስደት… ብናፍቖት
ርእሲ ኣድኒነ
ብዕሩቕ መንፈስ ተሸፊነ፡
ዝኽደኖ’ኳ ምስ ዝረግጾ
ጽቡቕ ኣሎ እንታይ ክወጽኦ፡
ግዜ ሃዳሚ ንኸርክብ
እነኹልካ እብል ዘብዘብ።
ከም ዘረባ
ኣብ ዓቢ ዛዕባ፡
“ኣብ ጉዳይ ሃገር
ንኽንገብር ቅዉም ነገር
ኣብ መገዲ ኣለና ክንተኣኻኸብ
ጕዕዞ ጀሚራ ኣላ እታ ናይ ሰላም መርከብ
ጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ ክትኣቱ’ያ ወደብ”
ምበልኩኻ’ሞ
ኣብ ባይታ ዘየሎ ትምኒት ዝቐለሞ፡
ኣስጊኡኒ ግን ብባህታ እትዀኖ
ከይሰቱዅ ልብኻ ምጻር ከይትስእኖ።
ክቐትለካ ቢለ ካብ ዝሕሱ
ዘሎ ክጸውየካ ብሓፊሱ፡
እናፈለጥኩ፡ ተስፋ ከም ዘይትቘርጽ
ንተስፋኻ ቈጽየ ከቕብጸካ እመርጽ።
ኣብዚ ወጻኢ፡ ወጻኢ ኸም ስሙ
ሓደ መጸውዒ ብዙሕ ግን ትርጕሙ
ወጻኢ ኻብ ሪም
ወጻኢ ኻብ ክብሪ
ወጻኢ ኻብ ባህሊ
ወጻኢ ኻብ ምስሊ፡
ወጻኢ ኻብ ውሻጠ
ወጻኢ ኻብ ውሽጢ፡
ካብቲ ብልጭልጩ
ይገድድ መዘዙ
ኣሎ እናተባህለ
ኵሉ’ዩ ደንዚዙ።
እልፊ ውሕጅ ስደት ዝኣከቦ
ከርሱ ጽጉብ፡ ኣብ ርእሱ ዓጸቦ
ቁሸት እትገፍሖ፡ ሃገር እትጸቦ፡
ቄናን ሓሳብ
ላህማም ራእይ
ፈዛዝ ሕልሚ
ሰፋል ትልሚ፡
ተኣንጒቱ፡
“ስለ ሃገር፡ ስለ ህዝቢ
ስለ እሱር፡ ስለ ‘ደሞክራሲ'”
ይጽናሕ’ሞ እቲ መሸቀጢ
ንመንቀላወጢ፡
ሓመድ ከይጽየቕ ዝረሓቐ
ደሙ ንኸወፊ ከይበቐቐ፡
ኢዱን እግሩን ብልሙሱ
ዓቕሙ ኣኽቲቱ ኣብ መልሓሱ፡
“ዘራፍ!” እንተበለ
ሓቂ ከይመስሎ
ኣብ ውሽጡ ንዘየለ።
ንህሩፍ’ሞ ኸኣ ንተጸባዪ
ኣኺሉ ይተርፎ መጋገዪ።
እተደነሰ’ዩ ዝለመሰ
ዝኣረገ’ዩ ዝመጅረገ፡
ንፋስ ድማ ኣሎ ዝብትኖ
ገለ’ውን ኣሎ ዘዕወንውኖ፡
ይትረፍ ንሃገር ዓቢ ሓሳብ
ነዛ ርእሱ የብሉን ንጣብ።
ኰይኑ ኣይኰይኑ እቲ ኣርሓ
ካብ ደንበ’ዩ ካብተን ኣሓ፡
ካብ ውሽጢ’ዩ እቲ ለውጢ
ንጸበዮ ካብቲ ማፍጢ።
ባቡር መጺኣ በል ክስቀል
ከይብለካ ዕላል ንቐጽል
ሓንቲ ደቒቕ ሰዓት’ያ ተኽፍል፡
ኣይንሕመቕ ግዳ በብዘለናዮ
ንምረት ናፍቖት ንግነሓዮ፡
ሰሰናዩ ድባበየ
ክድውለልካ’የ ግዜ ሓርየ።
03 ነሓሰ 2017
Discussion about this post